Home ዜና ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ

ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ

934

ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም  ካብ 60 ክሳብ 65 ሚኢታዊ ዝበፀሕ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመራት ውግእ ከምዝወፀ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፁ፡፡

ስምምዕነት ሰላምን ምሕላው ድሕንነት ህዝቢ ትግራይን

ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ኣገባብ ይፍፀም ምህላው ዝገለፀ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምውራድ ከቢድ ብረት ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ተዛሚዱ ከምዝትግበር ድማ  ኣረጋጊፁ፡፡

ዝቐፀለ መስካሕክሒ ገበን

ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ሰለማውያን ሰባት ብኣልማሚት ይቐትልን ይጨውን ከምኡ ድማ ንብረት ህዝቢ ይጉሕልን የዕንውን ከምዘሎ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ዕንቅፋት ሰላም ኢትዮጵያ

ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ብኣግባቡ ከይትግበር ሰራዊት ኤርትራ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ፡፡