Home ዜና ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ

ምውፃእ ሰራዊት ትግራይ

533
0

ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም  ካብ 60 ክሳብ 65 ሚኢታዊ ዝበፀሕ ሰራዊት ትግራይ ካብ መስመራት ውግእ ከምዝወፀ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፁ፡፡

ስምምዕነት ሰላምን ምሕላው ድሕንነት ህዝቢ ትግራይን

ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበፀሐ ስምምዕነት ሰላም ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ብዘረጋግፅ ኣገባብ ይፍፀም ምህላው ዝገለፀ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ምውራድ ከቢድ ብረት ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ተዛሚዱ ከምዝትግበር ድማ  ኣረጋጊፁ፡፡

ዝቐፀለ መስካሕክሒ ገበን

ሰራዊት ኤርትራ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ሰለማውያን ሰባት ብኣልማሚት ይቐትልን ይጨውን ከምኡ ድማ ንብረት ህዝቢ ይጉሕልን የዕንውን ከምዘሎ ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ዕንቅፋት ሰላም ኢትዮጵያ

ኣብ መንጎ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ብኣግባቡ ከይትግበር ሰራዊት ኤርትራ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ፡፡

Previous articleክሳብ 65 ሚእታዊ  ሰራዊት ትግራይ ካብ  መስመር ውግእ ከምዝወፀአ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡
Next articleኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ስነ-ህዝብን ገንዘባዊ ሓገዝን  UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሪፋራል ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸልን  ሕክምና ፊስቱላ ሓምሊን ሆስፒታል መቐለን ዑደት ኣሳሊጡ፡፡