Home ዜና ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ስነ-ህዝብን ገንዘባዊ ሓገዝን  UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ...

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ስነ-ህዝብን ገንዘባዊ ሓገዝን  UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሪፋራል ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸልን  ሕክምና ፊስቱላ ሓምሊን ሆስፒታል መቐለን ዑደት ኣሳሊጡ፡፡

799
0

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልምዓት ስነ-ህዝብን ገንዘባዊ ሓገዝን  UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ዕለት 29-ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ሪፋራል ሆስፒታል ዓይደር ዝርከብ ግልጋሎት ሓደ ማእኸልን  ሕክምና ፊስቱላ ሓምሊን ሆስፒታል መቐለን ዑደት ኣሳሊጠን፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ስዒቡ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕዋይ ክሳብ ሕዚ ብትካልን ዝተገበረ ሓገዝ ከምዘየለ ዝገለፃ UNFPA ተወካሊት ሱዛን ማንዶንግ ነዘን ግዳያት ንምሕዋይ ትካለን ኣድለይ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፀን፡፡

 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተወለዐ ኩናት ስዒቡ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንምሕዋይ ክሳብ ሕዚ ብትካልን ዝተገበረ ሓገዝ ከምዘየለ ዝገለፃ ሱዛን ማንዶንግ ግዳይ ፆታ ዓመፅ ኾይነን ንኣካላውን ስነልቦናውን ማህሰይቲ ዝተቃለዓን  ኣብ ሕክምና ፊስቱላ ሓምሊን ሆስፒታል መቐለን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝዋሃበን ዘሎ ግዳያት ንምሕዋይ ትካለን ኣድለይ ዘበለ ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን፡፡

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለ ክሳብ ሕዚ ብገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝመፅእ ዘሎ ቀረብ መድሓኒት ምስቲ ኣባይታ ዘሎ ፀገም  ዘይመጣጠን ብምዃኑ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ምስ ትካል UNFPA ተዋዲዶም ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ገሊፆም፡፡

ብገበርቲ ሰናይ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅልን ካልኦት እውን ነዚ ብምስዓብ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ህይወት ንምድሓን ክረባረብ ይግባእ ኢሎም ዶ/ር ኣማኒኤል ፡፡

ብኢየሩሳሌም ገ/መድህን

Previous articleምውፃእ ሰራዊት ትግራይ
Next articleብሕማም ሽኮር ንዝተጠቕዐ ህፃን