Home ዜና ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ

ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ

1024


ሰራዊት
ኤርትራ ካብ ዝወረሮ መሬት ትግራይ ብቕልጡፍ ክወፅእ ሽዱሽተ ነባራት ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ፀዊዖም፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዝሰርሑ ሽዱሽተ ኣምባሳደራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዘለዉ ገበናት ከምዘሻቐሎም ገሊፆም፡፡ እቶም ኣምባሳደራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለዉ ገበናት ብቕልጡፍ ደው ክብሉ ከምዘለዎም ድማ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ንክግበረሉ ህፁፅ ትኹረት ዘድልዮ ዛዕባ ከምዝኾነ እውን እቶም ኣምባሳደራት ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም፡፡መሬት ትግራይ ወሪሩ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዘይወዓል ሕደር ካብ ዝወረሮ መሬት ለቒቑ ክወፅእ ከምዘለዎ ዝፀውዑ እቶም ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ካልኦት ወረርቲ ሓይልታት እውን ካብ ዝወረርዎ መሬት ክለቁ መፀዋዕታ ኣቕሪቦም፡፡እቲ ንግዚኡ ደው ኢሉ ዘሎ ተፃብኦ ናብ ዘላቒ ሰላም እንተዘይተቐይሩን እቲ ዕድል ብግቡእ ኣብ ረብሓ እንተዘይውዒሉን ኣብ ኢትዮጵያ ደም ምፍሳስን ዕንወትን ክቕፅል ከምዝኽእል ድማ ስግኣቶም ኣቐሚጦም፡፡

እቶም ኣምባሳደራት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝሰርሑ Donald Booth, Aurelia Brazeal, Patricia Haslach, Vicki Huddelston, David Shinn and Tibor Nagy ከምዝኾኑ ድማ allAfrica.com ፀብፂቡ፡፡ብገ/እግዚኣብሄር ታደለ