Home ዜና ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ መንግስቲ ክፍፅሞ ዝግባእ ሓላፍነት እዩ ክብሉ...

ምውፃእ ወረርቲ ሓይልታት ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ መንግስቲ ክፍፅሞ ዝግባእ ሓላፍነት እዩ ክብሉ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረደ ሓቢሮም።

941

ፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ቀደማይ ዓመት ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ገይሮም ምስ ቴሌቭዥን ትግራይ ክፍሊ ኢንግሊሽ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ውዕሊ ፕሪቶርያ ብመዳይ ድምፂ ቶኹሲ ጠጠው ምባል ዕውት ዝብሃል ውዕሊ እዩ ኢሎም ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዕራብ ፣ሰሜን ምዕራብን ደቡብ ትግራይን ከማሓድር  የብሉን ዝቡሉ ተደራደርቲ በወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይሮም እዮም እንትኾነ ናይ መሬት ይግብኣኒ ዝብሃል ሓቂ ዝመስል ሕቶ በቲ ካሊእ ወገን ማለት እውን ኣምሓራ ከምዘሎ ኣምሲልካ ዝቐርብ እዩ፣ ከም ናተይ ርድኢት የለን እየ ዝብል።

ንድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ዘስግእ ነገር እንተዘይሃልዩ ፣ ካብ መከላኸሊ ሰራዊት ወፃኢ ዘለው ዕጡቓትን ወረርቲ ሓይልታትን ካብ መሬት ትግራይ እንተወፂኦም ዕጥቂ ተሸኪምና እንነብረሉ ምኽንያት ኣይህሉን ዝበሉ ፕሬዘዳንት ጌታቸው ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረምናዮ መሬት ትግራይ  ክነሀግር እንተይኮነስ ብሕገ መንግስቲ መሰረት ይፈታሕ ስለዝተብሃለ እዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ምስ ምምላስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተተሓሒዙ ዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምለሱ ድማ ምዕራብ ትግራይ፣ደቡብ ትግራይ ከምኡ እውን ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናትና ቅድም ኢሉ ክፍፀም ዝነበሮ ተግባር ምዃኑን ብወገን መንግስቲ ፌደራል ተመዛበልቲ ቅድሚ ሰነ ናብ መረበቶም ንምምላሰ  ቃል ኣትዮም ነይሮም እዮም ግን ኣይተፈፀመን ኢሎም።

እቲ ሰላማዊ ልዝብ ንምቅልጣፍ ብዝብል ምስ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ ንምስራሕ ፈቲንና ኢና ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት ንውዕሊ ፕሪቶርያ ክደራደሩ ፣ክግምግሙ ምስ ጀመሩ እዩ ተቛሪፁ።

ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ምስ ሪፈረንደም ተኣሳሲሩ ኣብዚ ሰሙን ዝሃቦ መግለፂ ኣመልኪቶም እንትምልሱ ድማ ሪፈረንደም ንምክያድ ቤት ምኽሪ ትግራይ ክህልው ግድን እዩ። ብምዃኑ እውን ግዝያዊ ምምሕዳር ሪፈረንደም ናይ ምክያድ ሕገ መንግስታዊ ስልጣን የቡሉን ክብሉ ገሊፆም።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ውዕሊ ፕሪቶርያ ንከይፍፀም እግሪ ይጎትት ኣሎ ዝብሃል ዘረባ ግን ዝተጋነነ እዩ ዝበሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ሕብረት ኣፍሪካ ዳግም ግጭት ከይልዓል ከረጋግፅን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዝተማልኣ መንገዲ ንክፍፀመን ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ድማ ኣተሓሳሲቦም።

ምስ ጉዳይ ምትፍናን ኢትዮጵይ ኤርትራን ተኣሳሲሩ ዝተልዓለሎም ሕቶ እንትምልሱ ድማ ዋና ቱኽረትና ህልውናን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ እዩ ዝኸውን ድሕሪ ምባል ኩሎም ኣፈላላይትናን ፀገማትን ብሰላም ጥራሕ ክፍትሑ መርገፂና እዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ጌታቸው ብፍላይ ግን ትግራይ ዳግም ማእኸል ኣዕናዋይ ኩናት ክትከውን ኣይንፈቅድን ዝበሉ ኮይኖም ውዕሊ ፕሪቶርያ ንምዕንቃፍ ዝንቀሳቐስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ግና ተቐባልነት የብሉን፣ ክንቃለሶ እውን ኢና ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ብኣቤል ፅጋቡ