Home ዜና ምዕፃው ግልጋሎት ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ

ምዕፃው ግልጋሎት ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ

927

ኣብያተ ክርስትያን ትግራይ ብሰንኪ ዕፅዋን ክባን ብዘጋጠመን ስእነት ንዋያተ ቅዱሳትን ዕጣንን ኣገልግሎት ስርዓተ ኣብያተ ክርስትያን ናብ ምዕፃው ብርኪ ከምዝበፅሐ  መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ኣፍሊጦም ፡፡

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መእመናንን ኣብያተ ክርስትያንን ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ በደል ተረዲኡ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝግባእ ፀዊዖም ፡፡

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲን ኣብያተ ክርስትያናትን ዝበፅሕ ዘሎ በደል ኣመልኪቶም ዘተ ኣሳሊጦም ፡፡

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ትግራይ ብሰንኪ ኩለመዳይ ዕፅዋን ክባን ንስርዓተ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ዝውዕሉ ንዋያተ ቅዱሳን ብምስኣነን ግልጋሎት ናብ ዘይህባሉ ብርኪ ከምዝበፅሓን መእመናን እውን ኣብ ከብድ መከራን ስቃይን ወዲቆም ከምዝርከቡ ገሊፆም  ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብኣርባዕተ ማእዘን ጉሮሮኡ ተዓፅዩ ብጉጅለ ፋሽስታውያን ይፀንት ኣሎ ዝበሉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ መቐለ ብፁእ ኣቡነ ኢሳያስ ኣብያተ ክርስትያና እውን ኣካል እቲ ፅንተት ኮይነን እየን ኢሎም ፡፡

ሊቀ ጳጳስ ሃከረ ስብከት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ፀላእቲ ዘካየድዎ ክባን ዕፅዋን ብስእነት ምግብን ምድሓኒትን በቢ መዓልቱ ብጥሜት ይረግፍ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡ ብተወሳኪ ድማ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ትግራይ ንኣመንተን ስርዓተ ግልጋሎት ኣብ ዘይህባሉ ብርኪ በፂሐን አየን ዝበሉ ብፁእ ኣቡነ መርሃ ክርስቶስ ማሕበረሰብ ዓለም መከራን ህልቀትን ህዝቢ ትግራይ እናርኣዩ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ ዘይምክኣሉ ከምዘተሓሳሰቦም ብምግላፅ ሐዚ እውን ህፁፅ ፍታሕ ከምፅእን ህይወት ዜጋታት ከድሕንን ከም ዝግባእ ፀዊዖም ፡፡

ናብ ትግራይ ዝኣቱ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ኮነ ስልኪን ኢንተርኔትን ብሰንኪ ፋሽስታዊ ጉጅለ ንዓመታት ምዕፃዉ ስዒቡ ንስርዓተ ቤተ ክርስትያናትን ገዳማትን ዝውዕሉ ከም ዕጣን፣ ጥዋፍ፣ ሽምዓ፣ መባእ፣ ዘቢብን ካልኦት ንዋያተ ቅድሳትን ናብ ትግራይ ክኣትዉ ብዘይምኽኣሎም ኣብያተ ክርስትያን ትይራይ ስርዓተ ግልጋሎተን ጠጠው ናብ ዘብላሉ ብርኪ ከምዝበፅሓ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ላዕለዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ ገሊፆም ፡፡

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዕፅዋን ክባን ዝወለዶ መከራን ህልቀትን ማሕበረሰብ ዓለም ተረዲኡ ህፁፅ ፍታሕ ክህበሉ ድማ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ቁዋም ሓቲቶም፡፡

ብበላይ ሽፈራው