Home ቢዝነስ ምዝሕሓል_ ዕዳጋ ኢደ-ጥበብ

ምዝሕሓል_ ዕዳጋ ኢደ-ጥበብ

57

ኣብ ስፌት መሶብን ኣቑሑት ህያብን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ነበርቲ ኣኽሱም ኣታዊአን ነክዩ።

ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ብዝተፈጠረ ምዝሕሓል ኣታዊአን ክንድትዝድለ ከምዘይኮነ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ባህላዊ ስፌት መሶብን ኣቑሑት ህያብን ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ገሊፀን።

ብፍላይ ብማሕበር ተወዲበን ዝሰርሓ ዝነበራ ኣብ እዋን ወራር ብዙሕ ኣቑሑት ከምዝጠፍኣንን ንኺሳራ ከምዝተቓለዓን ኣዘኻኺረን።መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ናብ ግልጋሎት እንትሰጋገር ዝሐሸ ኣታዊ ክረኽባ ትፅቢት ከምዘገብራ ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ገሊፀን።

ምክትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ፀጋይ ሃይለ ፤ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብዚ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ ብፍላይ ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ወገናት ቅድሚ 2013 ዓ/ም ኣድላዩ ደገፍን ክትትልን ይገብረሎም ምንባሩ ገሊፆም።

ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ዂናት ክንዲ እቲዝድለ ደገፍ ከምዘይተገበረን ንቐፃሊ ንምንቕቓሕ ቁጠባ ቱሪዝም ዘድሊ ደገፍን ክትትልን ከምዝግበር ኣይተ ፀጋይ ሃይለ ሓቢሮም። ከምፀብፃብ

#ብፍስሃ _መዝገበ