Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምድላው ፈልሲ

ምድላው ፈልሲ

62

ልዕሊ 31 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ትልሚ ሒዘ ኣለኹ ኢሉ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ

ኣብ ትግራይ ወፍሪ ሓምለዋይ ልምዓት ብዕሊ ንምጅማር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ምስ መድረግቲ ኣካላት መድረኽ ልዉዉጥ ተመክሮ የሳልጥ ኣሎ።

ሎሚ ዓመት ዝትከሉ ፈልስታት ብቐጥታ ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ክቕየሩ ዝኽእሉ ተኽልታት ክኾኑ ከምዝተተለመ ሓላፊ እቲ ቢሮ እያሱ ኣብርሃ(ዶ/ር) ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ ሓዊሱ ካብ ፌደራልን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ዝተወከሉ ሰብ ሞያ ሕርሻ ዝተረኸቡ እንትኸዉን ኣብ ምዕቃብ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ምኽላል ደኒን ዕቀባ ጠሊን ኣድሂቡ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ይቐርብ ኣሎ።

#ብተስፋዝጊ_ዓስበይ