Home ዜና ምጅማር ትምህርትን ምፅራግ ተተኮስትን ኣብ ትግራይ

ምጅማር ትምህርትን ምፅራግ ተተኮስትን ኣብ ትግራይ

606

ኣብ ትግራይ ካብ 19 ክሳብ 25 ሚያዝያ 2015 ዓ/ም ኣብ 1544 ኣብያተ ትምህርቲ ብዝተገብረ ብሰብ ሙያ ዝተሓገዘ ዳህሳስ ተተኮስቲ 1231 ዝተፈላለዩ ዓይነት ተተኮስቲ ተረኺቦም ከም ዝተፀረጉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።እቲ ዳህሳስ ሐዚ እውን ኣብተን ዝተረፋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ይቕፅል ኣሎ ዝበለ እቲ ቢሮ ዛጊድ እቲ ዝተገበረ ዳህሳሳ ኣብ ቀፅሪ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራሕ ስለዝኾነ ክሳብ ኩሉ መሬት ትግራይ ካብ ነቶግቲ ዝፀሪ ኩሉ ህዝብና ኣብ ዕለታዊ መንቅስቓሱ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ ክብል እቲ ቢሮ ኣተሓሳሲቡ።

ጀኖሳንዳዉያን ሓይልታት ብልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይዳዊ ወራር ስዒቡ ትካላት ትምህርቲ፣ጥዕናን ካልኦት ትካላት ልምዓትን ትግራይ ክዝመት ዝተረፈ ድማ ኮነ ተባሂሉ ብደብዳብ ኣየር፣ድሮንን ከበድቲ ብረትን ክዓኑ ተገይሩ ኢዩ ።

ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ድሕሪ ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም ስዒቡ ህፃናት ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፀገም ናዉቲ ትምህርቲ፣ መምሃሪ ክፍልታትን ካልኦት ግልጋሎታትን ኮይኑ ካብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ወፃኢ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ትግራይ ካብ ሚያዝያ 23/2015 ዓ/ም ጀሚሩ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እናጀመረ ይርከብ።