Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምጅማር ክረምታዊ ማሕረስ

ምጅማር ክረምታዊ ማሕረስ

74

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ምሩፅ ዘርኢ ምሸላ ብኩታ ገጠም ንምልማዕ ብትራክተራት ዝተሓገዘ ቀዳማይ ዙር ማሕረስ ኣብ ጣብያ መንጠብጠብ ብዕሊ ተጀሚሩ ኣሎ።

እቲ 620 ሄክታር ዝሽፍን ክላስተራዊ ሜላ ኣለማምዓ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገብር እዩ።ነቲ ስራሕ ንምዕዋት ድማ ዕዉት ውድብ ምግቢ ዓለም፣ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ሂወት ሕርሻ ሜካናይዜሽንን ነናይ ባዕሎም ኣበርክቶ እንዳገበሩ ይርከቡ።

ኣተሓባባሪ ሕርሻ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ክብሮም ብስራት፤ እቲ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝሳተፉሉ ዘለዉ ከይዲ ምዕባይ መፍረይነት ብሙሉእ ፓኬጅ ካብ ምሕራስን ምልስላስን ብተወሳኺ ክሳብ ዕዳጋ ምትእስሳር ዝበፅሕ ብምዃኑ ዝያዳ ውፅኢታዊ ክኸውን ከምዘኽእል አመላኺቶም።

ዘበነ ምህርቲ 2016/2017 ንምስሳን ኣብ ጣብያታት መንጠብጠብ፣ ማይ ኩሕልን ኣፅረጋን ዝሳለጥ ዘሎ ብትራክተራት ዝተሓገዘ ቀዳማይ ዙር ማሕረስ ኣብ ዝቕፅሉ ኽልተ ሰሙናት ክዛዘም ምዃኑ ድወት ፀብፂቡ።