Home ዜና ምጅማር ግልጋሎት ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ

ምጅማር ግልጋሎት ሳፋሪኮም ኣብ ትግራይ

90

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ቴሌኮም ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስሩዕ ግልጋሎት ቴሌኮም ፤ እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ናይ ዘካይዶ ቐዳማይ ምዕራፍ ስራሕቱ ሓደ ኣካል ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብ ስራሕቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ንብሉፅ ግልጋሎት ዳታ ዝተመቻቸወን ንሓምሻይ ትውልዲ (5G) ኔትዎርክ ዝቐረበን ራብዓይ ትውልዲ (4G) ኔትዎርክ ኣብ 16 ከተማታት ትግራይ ክቐርብ ምዃኑ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ዊም ቫንሄለፑተ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ግልጋሎት ኣብ ዝረኽባ ከተማታት ትግራይ ዝርከቡ ዓማዊል ዝደልይዎ ቑፅሪ ምምራፅ ዝኽእሉ እንትኾን ካብ ሲምካርድ ሳፋሪኮም ናብ ሳፋሪኮም ዝግበር 7 መዓልቲ ዝፀንሕ ወሰን ዘይብሉ ፃውዒትን 500 ሜጋባይት ናፃ ዳታን ዝሓዘ ፓኬጅ ከምዝረኽቡ እቲ ትካል ኣመላኺቱ።

ተገልገልቲ ግልጋሎት ሳፋሪኮም ዝረኽቡለን ብራንድ ድኳናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምህላወን ዘነፀረ እቲ ትካል ፤ ግልጋሎት ቴሌኮም ሳፋሪኮም ካብ ሳፋሪኮም ናብ ሳፋሪኮም ከምኡውን ካብ ሳፋሪኮም ናብ ኢትዮቴሌኮም ዝግበር ግልጋሎት ስልክን ግልጋሎት ኢንተርኔትን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ትካል ናብ ትግራይ ቴሌቭዥን ኣብ ዝልኣኾ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።