Home ዜና ምጅማር ፆመ ረመዳን

ምጅማር ፆመ ረመዳን

1393

መበል 1443 ዓመተ ሂጅራ ፆመ ረመዳን ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈለየ ብዕፅዋን ክባን ይፅገሙ ንዘለው ወገናትና እኹል ምትሕግጋዝ ብምግባር ክንፆም ይግባእ ክብል ቤት ፍርዲ ቃዲ ሸሪዓ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ናይ ሎሚ ዘበን ፆመ ረመዳን ኣብ ዕፅዋን ክባን ኮይና እንቅበሎ ዘለና እዩ ዝበሉ ሽኽ ሙሓመድ ኣሚን ብምኻኑ ድማ ካብ ዘየድሊ ብኽነት ተዓቂብና ዝርካብና ምስ ፅጉማት፣ የቲማትን ከምኡ እውን ጠወርቶም ናብ ምግዳልን ካልኦት ንጥፈታትን ዝኸድዎም ዝተፀገሙ ወገናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ዕፅዋን ክባን ንዝርከብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትግራይ ብምክፋል ክንፆም ይግባእ ክብሉ ሚዒዶም።
ፀሓፊ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሓጂ ሙሓመድ ካሕሳይ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ንዘሎ ዕፅዋን ክባን ስዒቡ ካብ ዝተፈላልዩ ከባብታት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ዝተፀገሙ ወገናት /ሙሳፊራት/ ናብ ከተማ መቐለ ዝኣትውሉ ኣጋጣሚ ብምህላው ነዞም ወገናት ኣብ ሓደ ማእኸል ንምፍጣር ዝተትሓዘ ምድላው ኩሉ ብዝኸኣሎ ክድግፍ ፀዊዖም። መበል 1443 ዓመተ ሂጅራ ፆም ረመዳን ቀዳም 24 መጋቢት 2014 ዓ/ም ክጅምር እዩ።
ብሙስጦፋ ጡሃ