Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምጉዕዓዝ ሓገዝ እኽሊ ብሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ

ምጉዕዓዝ ሓገዝ እኽሊ ብሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ

55

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ን 26 ወረዳታትን ከተማታትን ዝውዕል 25,000 ኩንታል ሓገዝ እኽሊ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ።

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ብሰንኪ ኲናትን ድርቅን ኣብ ኸቢድ ሓደጋ ጥሜት ዝወደቐ ሕብረተሰብ ንምሕጋዝ ብልዕሊ 93 ሚልዮን ብር ዝዓደጎ ዕፉን ምጉዕዓዝ ከምዝጀመረ ኣባላት እቲ ሓይሊ ዕማም ኣይተ ዶሪ ኣስገዶምን ሓጂ መጃመድ ካሕሳይን ገሊፆም።

እተን ወረዳታትን ከተማታትን ዛጊድ ሓገዝ ዘይረኸባ ኮይነን ን167 ሽሕ ወገናት ተጠቀምቲ ከምዝገብር ሓቢሮም።

እት ሓገዝ ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሓገዝ ምስ ዘድልዮ ልዕሊ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ እንትነፃፀር ኣዝዩ ዉሑድ ብምዃኑ ድያስፖራን ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ብፍላይ ኣብ እዋን ክረምቲ ባዕሉ ኣፍርዩ ክነብር ፀዓርዓር ንዝብል ዘሎ ህዝቢ ኣብ ፀገሙ ክበፅሕሉ ፀዊዖም።

ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ 1ይ ዙር ብልዕሊ 269 ሚልዮን ብር ን 46 ወረዳታት ልዕሊ 70 ሽሕ ኩንታል እኽሊ ከምዘከፋፈለ ድማ ኣፍሊጡ።

#ብገብረመድህን_ተወልደመድህን