Home ዜና ሞት ብምኽንያት ሕፅረታት ምግብን መድሓኒትን—ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ፤...

ሞት ብምኽንያት ሕፅረታት ምግብን መድሓኒትን

ኣብ ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ፤ ብሕፅረት ምግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን 16 ህፃናት ዝርከብዎም 168 ሰባት  ከምዝሞቱ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

894

ኣብታ ወረዳ ኣብ ጣብያ ጥዕና ኣግበ ግልጋሎት ሕክምና ክረኽቡ ተሰፋ ጌሮም መፂኦም ዝረኸብናዮም ተሓከምቲ ነባሪት ጣብያ ኣግበ ወይዘሮ ብርሃን ኪሮስን ነባሪ ጣብያ ሓዱሽ ተኽሊ ኣይተ ኣብርሃ ሓለፎምን፣ተመርሚሮም ዝተኣዘዘሎም መድሓኒት ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ገሊፆም።

እቶም ተሓከምቲ ኣብ ናይ ውልቀ ቤት መድሓኒት ዝርከቡ ውሱናት መድሓኒት ንምግዛእ ውን ንልቓሕ ከምዘሳጠሖም ይሕብሩ።

ነዞም መድሓኒት ዝሰኣኑ ተሓከምቲ ሓዊሱ ናብ ጣብያ ጥዕና ኣግበ ንዝመፁ ተሓከምቲ ኹሉ ዓይነት ፀገማት ተፃዊርና ክነገልግሎም እኳ እንተፈተንና፤ ዘድልዮም መድሓኒት ብምስኣና ምህላውና ትርጉም ዘይብሉ ኾይኑ ይስመዐና ዝበሉ ሓካይም እቲ ትካል ዶክተር ሙሉብርሃን ኣብርሃን ሲስተር ኪዳን ተስፋይን፤ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ውን እንተኾነ እቲ ሕፅረት እናገደደ ይኸይድ ምህላው ኣብሪሆም።

ክኢላ ምክልኻልን ሕማማት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ጣንቋ ምላሽ ኣይተ ብርሃነ ገብረስላሴ፤ኣብቲ ወረዳ ቅድሚ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ተቖፃፂሮምዎም ዝነበሩ ሕማማት ከም ብሓዱሽ ብሰፊሑ ተጋፊሖም ከምዘለውን ነዚኦም ሕማማት ንምፍዋስ ድማ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ዳርጋ የለን ኢሉ።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ድማ ብምኽንያት ስእነት ምግቢ፣ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን 16 ህፃናት ዝርከብዎም ልዕሊ 160 ሰባት ከምዝሞቱ ኣይተ ብርሃነ ኣፍሊጡ።

ነቶም መድኒት ዝሰኣኑ ተገልገልቲ ሓዊሱ ኣብ ዝኸፈአ ፀገም ስእነት ናውቲ ሕክምናን መድሓኒትን ዝርከብ ህዝቢ ወረዳ ጣንቋ ምላሽን መላእ ትግራይን ካብቲ ፀገም ንክወፅእ፤ ገበርቲ ሰናይ፣ መንግስታት ክልልን ፌደራልን ህፁፅ መፍትሒ ክገብሩሉ ድማ ፃውዒት እቶም ተገልገልቲ፣ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣመራርሓ ኣካላት እታ ወረዳን እዩ።

#ብሳሙኤል ገብረታትዮስ