Home ማሕበራዊ ሞት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

ሞት ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ

765

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ 54 ወገናት ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን ከምዝሞቱ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ ፋሽስታውያን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ግፍዒ ከይኣክል ህይወቱ ከድሕን ናብ መዕቆቢ ማእከላት ዝኣተወ ህዝቢ ብጥምየት ክፀንት ዝተዋደደ ስራሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝረከቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም ፡፡

ማሕበረሰብ ዓለምን ተሓለቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ይበፅሕ ዘሎ ዘየቋርፅ ግፍዒ እናርኣዩ ስቅታ ምምራፆም ከም ዝሓዘኑ ዝገለፁ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ብጥሜት ንመውት ብሓድነት ተቃሊስና ፀላእትና ደምሲስና ሃለዋትናን ድሕንነትናን ክነረጋግፅ ይግባእ ኢሎም፡፡ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ብረሃነ ገብረየሱስ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ዝርከባ መዕቆቢ ማእከላት ክሳዕ ሕዚ 54 ወገናት ከም ዝሞቱ ገሊፆም፡፡

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋ ንምክፋት ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዝለዓለ ሓድነት ይቃለስ ከም ዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ብርሃነ ዘጋጥም ዘሎ ኩለመዳይ ዕፅዋ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ሓቢሮም፡፡

ብጎይቶኦም ተከስተ