Home ህፃናት ርኢቶ ህፃናት ትግራይ

ርኢቶ ህፃናት ትግራይ

948

ብሰንኪ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ብምዕናወን ህፃናት ክመሃሩ ከምዘይከኣሉ ኣብ ከተማ መቀለ ዝርከቡ ህፃናት ገሊፆም፡፡ እቶም ህፃናት ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ድማ ንጥሜት ከምዝተቃልዑ ተዛሪቦም፡፡

ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ ትግራይ ብዝከፈትዎ ቅሉዕ ወራር ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቶ ተኣጋጊሎም እዮም፡፡ እቶም ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ንትግራይ ኣብ ዝወረርዋ ግዘ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ወሪሮምዎን ኣዕንዮምዎን እዮም ፡፡

በዚ ድማ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኣትዉ ከምዘይከኣሉ ኣብ ከተማ መቀለ ዝርከቡ ህፃናት ገሊፆም፡፡ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ክባን ዕፅዋን ንዓፀቦ ተሳጢሖም ከምዘለው ተዛሪቦም፡፡እቶም ህፃናት ኲናት ደው ክብልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ሰብ ሰራሕ ዓፀቦ ክፍታሕን ማሕበረሰብ ዓለም ድፍኢት ክገብር ፀዊዖም፡፡

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ክሳብ ዝሓልፍ ኩሉ ትግራዋይ ክተሓጋገዝ ድማ እቶም ህፃናት ተላብዮም፡፡

ብኣበባ ፅጋቡ