Home ዜና ተደራራቢ ግፍዒ ኣብ ጉድኣት ኣካል ትግራይ

ተደራራቢ ግፍዒ ኣብ ጉድኣት ኣካል ትግራይ

1087
0

ፍሉይ ጠመተን ሓለዋን ዘድልዮም ጉድኣት ኣካል ብክባን ዕፅዋን ንዝገደደ ጥሜት ተቃሊዖም፡፡ተፍጥሮ ዝከልከለቶም ምስማዕ ተፃዊሮም ተስፋ ፅባሕ ንምብራህ ሀ ኢሎም ትምህርቲ ቀለምን ሞያን ኣብ ምምሃር ዝነበሩ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ድሌት ሰውሒ ንጉስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ በዘብፅሕዎ ዕፅዋን ክባን ኣብ ዝከፍአ ጥሜትን ፀገምን ከምዘለዉ ተዛሪቦም፡፡

መላእ ህዝቢ ትግራይ ፀላእቲ ብዝፍፅምዎ ዘለው ገበን ጀኖሳይድ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከምዝተቃልዑን ሐዚ እውን እቲ ዕፅዋን ክባን ይቕፅልሉ ብምህላዎም ዝከፍአ ጉድኣት ይበፅሕ ከምዘሎን ብፍላይ ድማ ንጉድኣት ኣካል ሓብሓብን ናባይን ኣሲኢኑ ንዝኸፈአ ዓፀባ ከምዘቃልዖም ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውሒ ንጉስ መምህር ፍሉይ ድሌት ዝኾኑ መምህር ሚኪኤለ ገሊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጀኖሳይድ ደው ክብል ከምዝግባእ ዝሓበሩ መምህር ሚኪኤለ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ምስማዕ ዝተሰኣኖም ወገናት ዝበፅሕ ዘሎ ጥሜትን ዓፀባን ማሕበረሰብ ዓለም መፍትሒ ከቀምጠሉ ከምዝግባእ ድማ ፀዊዖም፡፡

ፍሉይ ጠመተን ከለላን ንጉድኣት ኣካል ክግበረሎም ዓለም ዝተስማዕመዐሉ ሰነድ እኳ እንተኾነ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን እዚ ሕጊ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ጉድኣት ኣካል ግዱድ ግፍዒ እናፈፀመ ከምዘሎ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እዩ፡፡

ብፋና ሊላይ

Previous articleምስዋር መረዳእታ ጅምላዊ ጨፍጫፍን መቓብራትን ንፁሃን ተጋሩ
Next articleርኢቶ ህፃናት ትግራይ