Home ዜና ርኽክብ ስልጣን ነባርን ሓዱሽን ካብኔ መንግስቲ ትግራይ

ርኽክብ ስልጣን ነባርን ሓዱሽን ካብኔ መንግስቲ ትግራይ

590

ሓዱሽ ካብኔ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ዝፀንሐ ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ስልጣን ተረኪቡ። እቲ ሓዱሽ ካብኔ ሎሚ መጋቢት 27/07/2015 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ምስቲ ዝፀንሐ ካብኔ መንግስቲ ትግራይ ርኽክብ ስልጣን ኣካይዱ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ስልጣን ዝተረኸቡ ነበር ፕሬዚዳንት ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ነቲ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ሰናይ ስራሕ ክኸዉን ተመንዮን እቲ ነባር ኣመራርሓ ኣብ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ተጋድሎ ኣመስጊኖም። እቲ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ዕንወት ንምዉፃእን ሰላማን ልምዓታን ዝተረጋገፀላ ትግራይ ንምፍጣር ኣብ ዝገበሮ ሰላማዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ እዉን ተሓባቢርና ክነሰርሕ ኢና ኢሎም።

ፕሬዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ነቲ ኣብ መሪሕነት ዝፀነሐ ኩሉ ኣመራርሓ ኣመስጊኖም ትግራይ ሕብረት እንትህልዋ ኢዩ ኩሉ መዳያዊ ረብሓኣ ዝረጋገፅ ብምባል እዚ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ረብሓን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ሓቢርና ዝጀመርናዮ ቃልሲ ብስጡም ብፃያዊ መንፈስ ተሓባቢርና ክንፍፅሞ ኢና ኢሎም። ፕሬዚዳንት ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ነባር ሓዱሽ ከይበልና ዘሎ ዓቕምታትና ኣጠናኺርና ብምቕፃል ንረብሓን ዉሕስናን ትግራይ ክነዉዕሎ ኢና ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ብፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ዝምራሕ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መጋቢት 9 /2015 ዓ/ም ዕላዊ ስርሑ ብምጅማር ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚን ኣብያተ ዕዮ ፌዴራልን ክልል ኦሮምያን ተራኺቡ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዘድሃበ ልዝባት ኣካይዱ ከም ዝተመለሰ ይፍለጥ።

#ብተኽለወይኒ ኪዳነ