Home ዜና ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1388

ሓምሊ ንዓና ! እኽሊ ንጀጋኑ ትግራይና!!

ኣረመኔ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሓይልታት ኣለና ዝብልዎ ኹሉ ዓቕምታቶም ኣዋዲዶም ካብ ነሓሰ18/ 2014ዓ/ም ጀሚሮም፣ብኣርባዕቲኡ ኩርንዓት ትግራይ፣ኣብ ብዙሓት ግምባራት ተዋፊሮም ናይ መወዳእታ ዝብልዎ ጥፍኣት ኹናት የካይዱ ኣለው፡፡ነዚይ ባርባራዊ ጨፍጫፍ ጆኖሳይድ ኣብ ምምካት፣ ኣብ ኹሉ ከባብታት ዘሎ ህዝቢትግራይ፣ ኣብ ጎኒ ንህይወቱ ዘይሰስዐ ድፋዕን ዋልታን ትግራይና ዝኾነ፣ መዘና ኣልቦ ጀግና ሰራዊትና ተሰሊፉ፣ ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ብምኽፋል፤ ቀንዲ ተዋሳኣይ ህዝባዊ ኹናት ባዕሉ ምዃኑ ሕዚ እውን ከም ወትሩ ደጊሙ ደጋጊሙ የመስክር ኣሎ፡፡

ኣስታት ንሓደ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ብዘይ ምቁራፅ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ደማዊ ኩናት ድማ ኩለመዳያዊ  ዓወታት፣ ብምምዝጋበ ድሙቕ ታሪኽ የመዝግብ ኣሎ፡፡ በዚ ጥሙር ቕልፅም ህዝብናን መላምል ሓየታትን ዋዕሮታትን፤ ደቂ ትግራይ ይምዝገብ ዘሎ ተወሳኺ ሓድሽ ቅያ፣ መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ ሓበን ብኽብሪ እንትገልፅ፣ ህዝብናን ሰራዊትናን ሒዝና፣ ዝተረፉና ዕማማት ህዝባዊ ኩናት፣ ብተነፃፃሪ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ብዓወት ከም ንዛዝሞ ብምትእምማን እዩ፡፡ ኣብዙይ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሞትን ሕውየትን ደማዊ ኩናት ፣ኣብ ገፀር፣ ከተማን ወፃእን ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ፣ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ህዝብና፤ ብኣየርን ብምድርን፤ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ብኣሽሓት ዝቑፀር ቁምቡላ ድምብርፅ ከየበሎ፤ ሓምሊ ንዓና ! እኽሊ ንጀጋኑ ደቅና!! ኣብ ማእኸላይ ደቡብ፣ ሰሜንን ምብራቕ ትግራይ ዘሎ ህዝብና ድማ “ምሳሕ ንዓና! ድራር ንደቅና” ዝብሉ ጭርሖታት፣ ሒዙ ፣እኽለ ማይ ብምቕራብ፣ ውግኣትና ብምልዓል፣ ሓጊዙ ጥራሕ እንተይኰነስ፣ ናይ ህይወት መስዋእትነት እውን ይኸፍል ኣሎ፡፡ብድማር ዋዕሮታትን ኣዴታትን ትግራይና፣ ኹሉ ነገር ድሕሪ ህልውና ትግራይና ኢለን፣ንህይወተን ከይሰሳዓ ኣብ ድፋዕ ኣትየን፣ እናዓለላ ፣ሞራል ጀጋኑና ብምድንፋዕ፣ ዝላዓለ ተራ ተፃዊተን እየን፡፡ሐዚ ውን ይፃወታ ኣሎዋ፡፡

ብሓፈሻ ህዝብና “ድፋዕ ህልውና ኣይድፈርን”!! ብምባል፣ ብደሙ ፣ኣዕፅምቱ፣ ገንዘቡ፣ ፍልጠቱ፣ ጉልበቱ፣ እኽለማይ ብምውፋይ፣ ዝኸፈሎን ይኸፍሎ ዘሎን መስዋእትነት፣ ኣብ ታሪኽ ትግራይና ንዘላእለም ዝዝንተው ናይ ባዕሉ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ኣሎ፡፡ኣብ ቐፃሊ ድማ ህዝብናን ሰራዊትናን ነዙይ መስተንክር ቅያ ዓቂቦም፣ዝተማልአ ዓወት ከምዘበስሩና ፣እንትርፊ ደመኛ ፀላእትና፣ ንፁህ ሕልና ዘለዎ ሰብን ደገፍትናን ንፃት ‘ውን ኣይጠራጠሩን፡፡ ይኹን ዳ’ምበር ብሃንዳስነትን ፣መሪሕነትን፣ ኣረመኔ ጭፍራ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን መላፍንቱን ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፣የካይድዎ ዘሎ፣ ጥፋኣት ጆኖሳይድ፣ መኪትና ብዓወት መሰስ ንምባል፣ ዘለና እንኮ መማረፂ ብጊዜ የለን መንፈስ ከቲትኻ ፣ምጉያይን ብዘይዕርፍቲ ምቅላስ ጥራሕን ጥራሕን ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡

ብሓፂሩ እዞም እንትርፊ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ ምድሪ ምጥፋእ፣ ኻልእ ውራይ ዘይብሎም፣ ብደም ዝተጨማለቑ፣ ወረርቲ ሓይልታት፣ኣብ ኩሎም ግምባራት ፣ብጅግና ሰራዊትና ይበፅሖም ዘሎ ከቢድ ኪሳራን፣ውቅዒትን ክፃወርዎ ስለዘይኻኣሉ፣ኣብ ከተማን ገፀርን ንዝነብር ህዝብና፣ ብነፈርቲ ውግእ ፣ድሮንን ተወንጫፍን ከቢድ ብረትን ወገሐ ፀበሐ ብኣልማሚት ይጭፍጭፍዎ ኣለው፡፡እንተዀነ ህዝብና በዚ ባርባራዊ ጥፋኣት ጆኖሳይድ ፣ከይተሰኮነ ብዝበለፀ ሓሪኑ፣ ነቲ ህዝባዊ ኵናትን ንምዕዋት ኹሉ ዓቕሙ ኣዋዲዱ ቀትርን ለይትን ይረባረብ ኣሎ፡፡ዳያስፖራ ትግራይ እውን ፣ሓደሽቲ ምህዞታትን ስልትታትን እናቐየሰ ፣ዘለዎ ተልእኾ ብዕውት ኣገባብ ይፍፅም ኣሎ፡፡ብምዃኑ ዘይስልኪ ዳያስፖራ ትግራይ ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሰ፣ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሕቡናት ምዃኖም ተረዲኡ ቃልሱ ከምዘደንፍዕ ይተኣማመኑ እዮም፡፡

ብድማር፣ኣረመኔ ወረርቲ፤ መስከረም 17ን 24/2015ዓ.ም ኣብ ልዐሊ ደቂ ትግራይ ነበርቲ ዓዲ ዳዕሮን ፣ተመዛበልትን፣ ምዕራብ ትግራይ ሓዊስኻ ኣብ ኹሉ ከባብታት ትግራይ ዘካየድዎን የካይድዎ ዘለውን ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ፣ መንግስቲ ትግራይ፣ በዚ ኣጋጣሚ ዝተሰመዖ ሓዘን ደጋጊሙ እንትገልፅ፣ ንብዓት ህዝብና ንምሕባስን ደም ንፁሃት ወገናትና ብዓወት ንምድባስን፣ ወይከ ፈተኽ! ብምባል ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ፣ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ፣ ናብ ታዕሊም ብምውሓዝ ይህቦ ዘሎ መልሲ ግብሪ ይበል ዘብል እዩ፡፡እንተዀነ እንገጥሞ ዘለና፣ ሺሾ ዕሱብ ኣራዊት ዕጡቕ ወረርቲ ሓይልታት፣መሊእና ንምሕምሻሽ፣ ሐዚ ውን ኹሉ ክኸትት ይግባእ፡፡ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ኣነ ንህዝበይ! ንሕና ንህዝብና ኢሉ፣ ፅባሕ ከይኮነስ ሎሚ ናብ ታዕሊም ውሒዙ፣ ንጀጋኑ ሓየታትን ዋዕሮታትን ደቂ ትግራይ ክመስል ይግባእ፡፡ ኣብዚ ህዝባዊ ኹናት ተፀምቢርኻ ንባዕልኻን ንህዝብኻን ንዘድሕን ቅዱስ ተግባር ፈፂምካ ታሪኽ ዘላኣለም ኣብ ዘዘንትዎ ፍፃመ ስምካ ምንባር፣ምስ ዝዀነ ነገር ክነፃፀር ዘይኽእል፣መዐቀኒ ዘይብሉ ብጣዕሚ ፣ክቡር ዋጋ ዘለዎ ዕዱል ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡:ስለዙይ፣ ሕድሕድ ወላዲ ወዲ ትግራይ ብሓፈሻ፣ብፍላይ፣ ውልዶም ዘየጋደሉ ወለዲ ናይቶም ቅድም ክብል ማለት እውን  ገሊኦም ንባዕሎ ሓዊስካ ፣ሰለስተ፣ኣርባዕተ ደቆም፤ ገሊኦም ድማ ፣ንደቆም ኒሕን ወነን ኣስኒቖም ዘጋደሉ ወለዲ፣ኣሰር ተኸቲሎም፣ደቆም መሪቖም ናብ ታዕሊም ንክውሕዙ ፣ሕድሪ ስውኣትን ፣ታሪኻዊ ሓላፍነትን ከምዘለዎም ተረዲኦም እጃሞም ከወፍዩ ይግባእ፡፡

ብመንግስቲ ትግራይ ዝምራሕ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ፣ ኣብ ቅኑዕ ዕላማ፣ዓሲሉን ከም ብረት ፀኒዑን ኣብ ባዕሉ ጥራሕን ጥራሕን ተኣማሚኑ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዓለም ብዓለሙ ዘስደመመ ኩለመዳያዊ  ዓወታት ጨቢጡ፤ እቲ ህዝባዊ ኩናት፣ ኣብ ብጣዕሚ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ ኣሎ፡፡ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 45 መዓልትታት ሓምሊ ንዓና! እኽሊ ንጀጋኑ ትግራይና ፣ብዝብል ብዘካየዶ መሪር ተጋድሎ ፣ህዝቢ ትግራይ ብውሕዱ ዝኾነ ወራር ናይ ምምካት ብቕዓት ከምዘለዎ ብተግባር ኣመስኪሩ፣መፃኢ ጉዕዝኡ ብሩህ ምዃኑ የርኢ ኣሎ፡፡

ስለዙይ ህዝባዊ ኩናትና ብዓወት ንምዝዛም፣ብወቕቲ ኣዝመራ 2014/2015ዓ/ም ዝተዘረእ ዝራኣቲ፣ ካብ ባልዕን ብኽነትን ተኸናኺኑ፣ናብ ቖፎ ሓረስታይ ትግራይ ንኽኣትው ፣ክብርታት ምትሕግጋዝን ሓልዮትን ኣጠንኪርና፣ ክንረባረብ ይግባእ፡፡ናይ ከተማ ህዝብና ‘ውን ዓሚ ዘጀመሮም ልማዓት ተኽሊ ገደና ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ብውሕድ ድራር ለይቲ ዝኸውን ከፍሪ ኣለዎ፡፡ ድያስፖራና፣ ነጋዳይናን ናይ ከተማ ህዝብናን ፣ሰራዊትና፣ ንምሕጋዝ ብኹሉ ኣግባብ ይግበር ዘሎ ወፈያ፣ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ መንግሰቲ ትግራይ ይተኣማመን እዩ፡፡

በዚ ኣጋጣሚ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ፣ ኩሎም፣ናይ ቃልስን ዓወትን ዓመታት ምስ ኣሕዋቱን ኣሓቱን  ፣ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ኢድን ኢድ ተታሒዞም ፣ዝተዋደቑን ፣ይዋደቑ ዘሎውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ፣ዝተፈላለዩ ወፃኢ ሃገራትን ዝነበሩ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ደቂ ትግራይ፤ እንዃዕ ንመበል 1497 ዓመት ልደት ነብዩ መሐመድ ኣብፀሐኩም! ብምባል መንግስቲ ትግራይ፣ብስም ህዝቢ ትግራይ ሰናይ በዓል መውሊድ፣ ብምባል መልእኽቲ እንተመሓላልፍ፣ ማሕበረሰብ ሙስሊም ትግራይ፣ ሎሚ ይኹን ፅባሕ፣መኸተና ንምዕዋት ብዝበለፀ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ብምትእምማን እዩ፡፡

ድፋዕ ህልውናና ኣይነድፍርን!

ሃለዋትናን ድሕንነትና ብቕልፅምና!

ትግራይ ትስዕር!

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

መስከረም 27 /2015 ዓ/ም

መቐለ