Home ዜና “ሰራዊት ኤርትራ ሩሑ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ” መርገፂ መንግስቲ ኢንግሊዝ

“ሰራዊት ኤርትራ ሩሑ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ” መርገፂ መንግስቲ ኢንግሊዝ

709
0

ኣብ እንግዳዓ ወተሃደራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓዚሉ ኣብ ትግራይ ገበን ጀኖሳይድ ዝፈፀመ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ሕዚ እውን ካብ ጎቢጡ ሒዝዎ ዘሎ መሬት ትግራይን መላእ ኢትዮጵያን ክወፅእ መንግስቲ ኢንግሊዝ ደጊሙ ፀዊዑ፡፡

ኣባል ፓርላማ ኢንግሊዝ ሎርድ ኣልተን ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት መስርሕ ተፃብኦ ደው ምባል ዘሎ ግምጋም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወፅእ ብዛዕባ ዝግበር ፀቕጢ ዝተሓሰበ ነገርን ኣመልኪቶም ሕቶ ዘቕረቡ እንትኾኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ምዕባለን ሓባራዊ ሃፍትን ጉዳያት ወፃኢ ኢንግሊዝ ዝኾና ሎርድ ጎልድ ሲሚዝ ኣብ ዝሃበኦ ምላሽ ድማ መንግስቲ ኢንግሊዝ ነቲ ዝተገበረ ተፃብኦ ደው ናይ ምባል ውሳነ ከምዝድግፍን ናብ ዝተጎድኡ ሰባት ዝገብሮ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ንምስፋሕን ዘላቒ ሰላምን ፀጥታን ንምስፋንን ድማ ምስ ኩሎም ሓይልታት ንምስራሕ ድልው ምኻኑ ኣገንዚበን፡፡ ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ምፍፃሙን እቲ ዝፈፀሞ በደል ድማ ገበን ኲናት ምዃኑን ዝገለፃ እተን ኣባል ፓርላማ ሕዚ እውን ካብ መላእ ኢትዮጵያ ሩሑ ጠቕሊሉ ክወፅእ ይግባእ ክብላ መርገፂ መንግስተን ኣንፀባሪቐን፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
Next articleህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ምስ ዝፈፀመ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ድኣ እምበር ኣብ ልዕሊ ሓርነት ኤርትራ ትማልን ሎምን ዘይቅየር መርገፂ እዩ ዘለና – ፕሬዝዳንት ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል(ዶ/ር)