Home ዜና “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝፈፀሞ ገበን ብስግግር ፍትሒ ዝዳነ ኣይኮነን” – ፕሬዚዳንት...

“ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝፈፀሞ ገበን ብስግግር ፍትሒ ዝዳነ ኣይኮነን” – ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

231

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንኣማኻሪ ፖለቲካን ቁጠባን ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጆን ሮቢንሰን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ብዋናነት ኣብ ጉዳይ ስግግር ፍትሒ ፣ኣብ ግዝኣት ትግራይ ዝርከቡ ካብ መከላኸሊ ሃገር ወፃኢ ዝኾኑ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ምውፃእን መሰረት ገይሮም ዝዘተዩ እንትኾን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተፈፀመ ገበን ጀኖሳይድ ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር ፍትሒ ከይኮነስ ብዓለም ለኻዊ ፍትሒ ክረአ ከምዘለዎ ፕሬዚደንት ጌታቸው ገሊፆም። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትግበር ትፅቢት ዝግበረሉ ዘሎ ስግግር ፍትሒ እውን እንትኾነ ንትግራይ ዘጓነየ ንከይኸውን ተመልኪቱ። ትግራይ ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ፌደራል መንግስቲ ተወካሊ ዘይብላ፣ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኸውን ኣካል ከምዘየለን ሓሳብ ህዝቢ ከስምዕ ይኹን ናይ ህዝቢ ረብሓ ክመያየጥ ዝኽእል ኣብዘይብሉ ዝተመስረተ ስግግር ፍትሒ ንትግራይ ዘጓነየ ንከይኸውን ክስረሐሉ ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ጌታቸው ኣስሚረሙሉ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ምምላስ ተመዛበልትን ምውሓስ ግዝኣት ትግራይን ኣድሂቦም መብርሂ ዝሃቡ እንትኾን ብፍላይ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተገለፀ ዛዕባ ሪፈረንዶም ፈፂሙ ክኸውን ከምዘይኽእል ገሊፆም። ኣብ ምዕራብ ትግራይ፣ ክፋል ምብራቕን ሰሜናዊ ምዕራብን ከምኡ ድማ ደቡብ ትግራይ ዝርከቡ ወረርቲ ሓይልታት በቲ ማእኸላይ መንግስቲ ንኽወፁ፣ ኣብተን ከባቢታት ዘሎ ምሕደራ እውን ፈሪሱ ብመሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽትካእ እውን እቶም ፕረዚደንት ገሊፆም እዮም። ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ዲፕሎማት ጆን ሮቢንሰን ኣብዝነበሮም ፃኒሒት ክልላዊ፣ ሃገራውን ዞባውን ዛዕባታት ዝዘተዩ ኮይኑ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣወንታዊ ብፅሒት ከምዝህልዋ እቶም ዲፕሎማት ገሊፆም ክብል ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ትግራይ ሓቢሩ።