Home ዜና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ መሊኡ ይውፃእ

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ መሊኡ ይውፃእ

475

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወፅእ ኣለዎ-ቅዋም ሕብረት ኣውሮፓ

ህልውና ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብቕልጡፍ ደው ክብልን ኣብ ግዝኣታት ትግራይ ዝተረፈ ሰራዊት ኤርትራ መሊኡ ክወፅእን ሕብረት ኣውሮፓ ፀዊዑ፡፡

እቲ ሕብረት ናብ ዓለም ለኸ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ሪፖርት፤ ወታደራት ኤርትራ ሕዚ እውን ኣብ ትግራይ ገበን ይፍፅሙ ምህላዎም ከም ዘረጋገፀ ሓቢሩ፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ መሊኡ ክወፅእ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ወታደራት ኤርትራ ካብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ምውፀኦም ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግፆ ይግባእ ዝበለ መግለፂ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈፀሙ ገበናት ተመርሚሮም ተሓታትነት ክነግስ ይግባእ ኢሉ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ፍትሒን ተሓታትነትን ክረጋገፅ፣ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተጋሩ ዝተፈፀሙ ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረ ዝፀወዐ ሕብረት ኣውሮፓ፤ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ምስ ዝሰርሑ ትካላትን መንግስታትን ሓቢሩ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፁ፡፡

ብገብረእግዚሄር ሃይሉ