Home ቢዝነስ ሰነድ ስምምዕ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ

ሰነድ ስምምዕ ኣብ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ

633

ሓለፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ምስ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ዘሎ ጠለብ መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ ኣብ 5 ከተማታት ትግራይ መቐለ፡ሽረ፡ኣክሱም፡ዓድግራትን ዉቕሮን መንበሪ ኣባይቲ ንምስራሕ ሓባራዊ ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

ፈፃሚ ስራሕ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ትካሎም ብመዳይ ምዕቛር ዉሕስና ኣባላት ማሕበራት ምስ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ኣይተ ቴድሮስ ጌታቸው ብወገኖም ኣብ 1ይ ዙር ኣብ ከተማ መቐለ 5664 ወገናት ተጠቀምቲ ዕድል ከምዝኾኑን ካብ 40 ክሳብ120 ካሬ ብዝመረፅዎ ኣብ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት 20 ሚእታዊ ዝዓቕሩ ኾይኖም ን40 ካሬ 95 ሽሕ ብር ፡ንበዓል 70 ካሬ 166 ሽሕን 259 ብር ፣ንበዓል 90 ካሬ 213 ሽሕን 750 ብር፡ንበዓል 120 ካሬ ድማ 285 ሽሕ ብር ቕድመ ክፍሊት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ዕድል ኣብ 1ይ ዙር ምዝገባ መንበሪ ገዛ ንዘይብሎም ቐዳምነት ዝወሃብ ኮይኑ መለለይ መንነት፡ዘለዎምን ኩነታት ሓዳር ከቕርቡ ዝኽእሉን ኮይኖም ካብ 3 ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 18 መዓልታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣቦ ናይ ገዛ ፋይናንስ ስራሕ ኣብ ከተማ መቐለ ቀበሌ 15 ን ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢትን ምዝገባ ከምዝካየድ ኣይተ ቴድሮስ ጌታቸው ገሊፆም።

እቲ ሎሚ ዓመት ዝጅመር ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ምስ ቅድሚ ሐዚ ብመንግስቲ ዝተወደባ ማሕበራት 3ይ ዙር መንበሪ ኣባይቲ ዘተሓሕዝ ከምዘብሉ ዉን ተሓቢሩ።

ብገብረመድህን ተ/መድህን