Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሱር ኮንስትራክሽን ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ማይጨዉ ጀሚሩ።

ሱር ኮንስትራክሽን ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ከተማ ማይጨዉ ጀሚሩ።

39

ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ ከተማ ማይጨው 8 ኪ.ሜ መንገዲ ኣስፋልት ንምስራሕ ብመሰረት ዝኣሰሮ ዉዕሊ ፣ ሎሚ ዘመን ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝዛዘም ህንፀት 3.2 ኪሎ ሜትር መንገዲ ኣስፋልት ትማሊ 28 ግንቦት 2016 ዓም ብዕሊ ምጅማሩ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ማይጨው መምህር ሙሉጌታ ሃይሉ ሓቢሮም ።

ትንሳኤ ማይጨዉ ንክረጋገፅ እዚ ፕሮጀክት ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ህዝቢ በዓል ዋና ኾይኑ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ዝፀውዑ መምህር ሙሉጌታ እቲ ዝስራሕ መንገዲ ኣስፋልት በዓል ክልተ መንገዲ ፣ ብኽልተ ገፁ መንገዲ ኣጋር ዘለዎን ዘመናዊ ናይ ደገ መብራህቲ ዝሕዝን ከምዝኾነ ኣብሪሆም ።

ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ከተማ ማይጨው ነዚ ፕሮጀክት መንገዲ ኣስፋልት ብገንዘቦም፣ ንብረቶምን ጉልበቶምን ንምሕጋዝ ቃል ከምዝኣተዉ ዝሐበሩ መምህር ሙሉጌታ፣ ምምሕዳርን መናእሰይን ወረዳ ራያ ዓዘቦን’ዉን ንስራሕቲ ኣስፋልት ዝዉዕል ሑፃ ብነፃ ብምሃቦም ብስም ህዝቢ ከተማ ማይጨዉ ኣመስጊኖም፣ ክብል ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ሓቢሩ ።