ጀጋኑ ሰማእታት ብዝኸፈልዎ መሪርን መስተንክራውን ተጋድሎ ኣብ ዝተጀመረ ሰላማዊ ምዕራፍ ቃልሲ ኮይንና ክረምታዊ ማእቶት ነደንፍዕ ኣለና ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰላም ገሊፆም።
ጀጋኑ ሰማእታት ብልፍንቲ ንዝወፈሩ ሓይልታት ብምዕጋት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ዝተማልአ ፅንተት ብምዕጋት ኣንፃራዊ ሰላም ክመፅእ ዓለም ዘስደመመ ፅንዓትን ጅግንነትን ፈፂሞም እዮም ክብሉ ሓረስቶት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ጣብያ ሰላም ገሊፆም።



ብዝተዋደደን ብትሉምን ልፍንታዊ ሽርሒ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝወረሩ ሓይልታት ፅንተት ሕልሞም ክመክን መስተንክራዊ ጅግንነት ዝፈፀሙን ናይ ልቦም ዝገበሩን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ብመስዋእቶም ሓሪናን ፀኒዕናን ናብ ዘይተወገኑ ዕማማት ልምዓት ብቅልጡፍ ክንኣቱ ኣለና ክብሉ እቶም ሓረስቶት ሓቢሮም።


መንግስቲ ፤ሰማእታት ዝወደቕሉ ዕላማ ንምቕፃልን ናብ ክውንነት ክልወጥ ኣብ ባይታ ወሪዱ ብሓላፍነት ክሰርሕ ከምዝግባእ ድማ እቶም ሓረስቶት ኣተሓሳሲቦም።
ህዝቢ ትግራይ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምርግጋፅ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኩናት፤ ሓረስታይ ትግራይ ረዚን ዋጋ ከፊሉ እዩ ዝበሉ እቶም ወገናት፣ ዝተጀመረ ሰላም ብምጥንኻር ኩለ- መዳይ ቃልሲ ክገብር ፀዊዖም።
ብጎይተኦም ተኸስተ