Home ስፖርት ሳልሳይ መድረኽ ቅድድም ብሽክሌታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድኣሎ

ሳልሳይ መድረኽ ቅድድም ብሽክሌታ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድኣሎ

129

ኣብ ከተማ ኣኽሱም ይካየድ ዘሎ ሻምፕዬና ብሽክሌታ ባንኪ ወጋገን ብውድድር ማውንቴን ደሳለይ ሃፍታይ ካብ ግልጋሎት ማይ ዓዲግራት ቀዳማይ ደረጃ እንትሕዝ ብኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ፅጌ ካሕሳይ ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ ተዓዊታ።60 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነን ተስፋ ዘለዎም ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተረኣየሉን ውድድር ከተማ ማውንቴን ደቂ ተባዕትዮ ደሳለይ ሃፍታይ ካብ ግልጋሎት ማይ ከተማ ዓዲግራት ብልዑል ፀብለልታ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

ደሳለይ ሃፍታይ ካብቶም ኣብ ካልኣይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜትር ቀዲሙ እዩ ተዓዊቱ ። ለገሰ ሰለሙን ካብ ፕርጀክት ሙሉብርሃንን ኣቤል በላይ ካብ ራይት ማይን ካብቶም ኣብ ካልኣይቲ ጉጅለ ዝነበሩ ብሽክሌተኛታት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝሓዙ ተቐዳደምቲ እዮም።ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 37.05 ኪሎ ሜትሮ ዝተጎዓዙ ኮይኖም 30 ብሽክሌተኛታት ተሳቲፎም እዮም።ብጋንታ ድማ ግልጋሎት ማይ ዓዲግራት ተዓዊታ። ፕሮጀክት ሙሉብርሃንን ራይት ማይን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ወፂአን።

ከተማ ዓዲግራት ራብዓይ ደረጃ ሒዛ።90 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነን ብርቱዕ ንሕንሕ ኣብ ዝተረኣየሉን ውድድር ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብተደጋጋሚ ዓወት እተመዝግብ ዘላ ብሽክሌተኛ ፅጌ ካሕሳይ ካብ መስፍን ኢንዳስትሪያልን ኢንጅነሪንግ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ። መስፍን ካብ ዘሰለፈን 6 ተቐዳደምቲ እተን ኣርባዕተ ሓደጋ ምውዳቕ ዘጋጠመን እትኸውን ሽዱሽተ ብሽክሌተኛታት ትራንስ ኢትዮጵያን ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ መቐለ 70 እንደርታን ኣብ ቅድሚት ብምዃን ብርቱዕ ንሕንሕ ኣርእየን እየን።

ክልተ ተቐዳደምቲ መስፍን ድማ ክኽተልአን ውዒለን እየን። ኣብ ናይ መወዳእታ ቮላታ ድማ ፅጌ ካሕሳይ ካብታ ተቐራሪባ ትሕምበብ ዝወዓለት ጉጅለ ፈንፂሓ ብምውፃእ ተዓዊታ። ኣብ ቅድሚት ኮይነን ሓያል ንሕንሕ ከርእያ ዝወዓላ ቤቴሊሄም ዳኒኤልን ኣዜብ ካሕሳይን ክልቲኤን ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ ብቕደም ሰዓብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ብምውፃእ ውድድረን ዛዚመን።ተቐዳደምቲ ኣብ ሰዓት 35.74 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዘን እየን። ብጋንታ ብሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ ትራንስ ኢትዮጵያ ተዓዊታ።

መቐለ 70 እንደርታን መስፍን ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግን ብቕደም ሰዓብ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን።እቲ ውድድር ዕለተ ሓሙስ 120 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍን ውድድር በረኻ ኮርሶ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ኣኽሱም ናብ መስመር ዓድዋ-ዓብዪ ዓዲ ቀፂሉ ክካየድ እዩ።

ገ/ሄር ታደለ