Home ዜና ስምምዕነት ማልት ምስ መከፋፈልቲ ቢራ

ስምምዕነት ማልት ምስ መከፋፈልቲ ቢራ

641

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ፍርያቶም ኣብ ትግራይ ምስ ዝሸጡ ፋብሪካታት ቢራ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት መከፋፈልቲ ቢራ ካብ ሓደ ካሳ 10 ቕርሺ ንምእካብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪማ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ መፍረትቲ ቢራ ቢጂኣይ፣ ዳሽን፣ ሓበሻን ሄኒኬንን ዝገበረቶ ሰነድ ስምምዕነት እታ ማሕበር ተሊማቶ ንዘላ  ፕሮጀክትታት ምገባ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ህንፀት ዝተቛረፁ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ምዃኑ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ተሓቢሩ።

ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ኣይተ ተስፋይ ገ/እግዚኣብሄር፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ትግራይ ካብ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ቢዝነስ ብዝተፈላለዩ ኣገባብ ዝእከብ እቶት ከምተተኣኻኽብ ብምሕባር፤ እቲ ሕዚ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ትካላት መከፋፈልቲ ቢራ ካብ ሓደ ካሳ 10 ቕርሺ ብምውፋይ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ዘኽእል ስምምዕነት ምዃኑ ገሊፆም።

ኣካያዲ ስራሕ ቢራ ዳሽን ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ኣለም ገ/ትንሳኤ፣ ማርኬቲንግ ማናጀር ቢራ ሄኒኬን ኣይተ ኣሸናፊ ሰለሞንን መካየዲ ስራሕ ቢራ ሓበሻ ጨንፈር ትግራይ ኣይተ ዳንኤል ፀጋይን ብወገኖም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ንምእላይ ኣብ ዝግበር ርብርብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝርከቡ ብምግላፅ፤ ሐዚ ድማ ፃውዒት ማልት ብምቕባል ንፕሮግራም ምገባ ህፃናት ትግራይ፣ ንህንፀት ዝተቛረፁ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ዝውዕል ገንዘብ ካብ መሸጣ ቢራ ንምእካብ ከምዝተስማዕምዑ ኣረዲኦም።

ብብርሃነ መስፍን