Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

61

5500 ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገበረ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ እናተሳለጠ እዩ። መስኖ ብምልመዖም ቁጠባዊ ዓቕሞም ከምዘመሓየሹ ኣብቲ ልምዓት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት እቲ ወረዳ ገሊፆም፡፡እቶም ሓረስቶት ኣብ ቀረብ ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዕን ፀረ ባልዕን ዘለውዎም ፀገማት ንክፍተሐሎም ፀዊዖም።

እቲ 5500 ሓረስቶት ተረባሕቲ ዝገበረ ልምዓት መስኖ ልዕሊ1500 ሄክታር መሬት ዝሸፈነ ምዃኑ ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ መስኖን ዝራእትን ቤትፅሕፈት ሕርሻ እቲ ወረዳ ኣይተ እዮብ ገ/መድህን ገሊፆም ፡፡

#ብሃፍታይ ባህረ