Home ዜና ስራሕቲ ፋይበር ግላስ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ዝጀመሩ መናእሰይ።

ስራሕቲ ፋይበር ግላስ ንፈለማ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ዝጀመሩ መናእሰይ።

1059

መንእሰይ ሄኖክ ተኣምራት ቕድሚ ሐዚ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ስራሕቲ ሓፂነ መፂንን ዕንፀይትን ብፀላእቲ ተወሪሩን ዓንዩን እዩ፡፡

ይኹን እምበር በዚ ተስፋ ከይቆረፀ ምስ ሓዉ ፍሬዘር ተኣምራት ብሙዃን ብናይ ባዕሎም ፃዕሪ ብዘጥረይዎ ልምዲ ስራሕቲ ፋይበር ግላስ መትከልን መጋየፅን ዕንበባታት ኣብ ከተማ መቐለ ንፈለማ እዋን ምፍራይ ከም ዝጀመሩ ገሊፆም፡፡

ፍርያት ፋይበር ግላስ ቕድሚ ሐዚ ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ይመፅእ ከም ዝነበረ ዝገለፁ እዞም ኣሕዋት ሐዚ ግን ነቲ ፍርያት ባዕሎም ኣብ ትግራይ ከፍርይዎ ብምኽኣሎም ንሕብረተሰብ ብቐሊሉ ብተመጣጠኒ ዋጋ ምቕራብ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቦም፡፡እዚ ድማ ኣብ ምሕላው ከባብያዊ ፅባቐ ከተማ ናይ ባዕሉ ኣጃም ከም ዘለዎ እዉን ገሊፆም፡፡

እቲ ስራሕ ዓብይን ሰፊሕ ኢንቨስትመንት ዝሓትትን ዋላ እኳ እንተኾነ ዛጊድ ብዝለዎም ዓቕሚ  ንባዕሎም ኮይኖም ንኻልኦት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጠሩን ሓቢሮም፡፡

ካብቶም ልምድን ተሞኩሮን እናወሰዱ ዝረኸብናዮም መናእሰይ ካብ ከተማ ዓድዋ ዝመፀ ናይዚጊ ኣለም ሓደ እንትኸዉን ብዘለዎ ናይ ስራሕ ባህግን ተበግሶን ተመሳሳሊ ስራሕ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ከም ዝኸፍት ገሊፁልና እዩ፡፡

ብህይወት ብርሃነ