Home ዜና ስነ ልቦናዊ ሕውየት

ስነ ልቦናዊ ሕውየት

2224

—-

ኣብ ትግራይ ይፍፀም ንዘሎ ጀኖሳይዳዊ በሰላን ስነልቦናዊ ጉድኣትን ንምሕዋይ ዝዓለመ ስልጠና ዝወሰዱ 130 መናእሰይ ከምዘመረቀ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀምን ዘሎ ጀኖሳይድ ስምዒቱ መሪር በሰልኡ ከቢድ እዩ፡፡ ብፍላይ ስነ ልቦናዊ በሰልኡ ብቀሊሉ ክሕከም ኣይክእልን፡፡ እንታይ ድኣ? ስነልቦናዊ ሓገዝን ምትብባዕን የድልዮ፡፡

እዞም መናእሰይ ብሓገዝ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ኣብ ስነልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ትምህርታዊ ስልጠና ዝወሰዱ እዮም፡፡

እዚ ስልጠና ስነልቦናዊ ተፀዋርነት ምዕባይን መፍትሕታት ንምንዳይ ሓጋዚ ከም ዝኾነ ኣተሓባባሪ እቲ ስልጠና ዶ/ር ቢንያም ተወልደ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ በፂሕዎ ዘሎ ስነልቦናዊ ሃሰያ ናብ ሕራነ ንምቅያር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ ተመረቅቲ ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ ድማ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ትግራይ ዶ/ር ገ/መስቀል ገ/ማርያም እዮም፡፡

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝበፅሑ ስነልቦናዊ ጉድኣት ንምሕካም ከምዝፅዕሩ ድማ ተመረቅቲ እቲ ስልጠና መናእሰይ መዓርግ እምብዛን ማህሌት ፍትውን ኣረጋጊፆም፡፡

ብኤፍሬም ረደሀይ