Home ዜና ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ንህንፀት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ

ስነ-ስርዓት ምንባር እምነ ሰረት ንህንፀት 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ

494
0

በዓል ሃፍቲ ዘርኢ ገብረሊባኖስ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፅምብላ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ገብሩ ንምህናፅ ካብኔ ሴክሬታሪያት ሽግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፈሰር ክንደያ ገ/ህይወትን ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህንን ብምዃን እምነ ሰረት ኣንቢሮም።

ኣብ ወረዳ ፅምብላ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምስራሕ እምነ ሰረት ዘንበሩ በዓል ሃፍቲ ዘርኡ ገ/ሊባኖስ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ሓደ ሓደ ናዉቲ ንምምላእ ዝዉዕል 1 ሚልዮን ብር እዉን ሓገዝ ሂቦም።

በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስ ብቐፃልነት ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕን ዝዓነዉ ትካላት ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ወፍሪ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ተሰሊፍና እጃምና ክነበርክት ኢና ኢሎም።

ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገ/መድህን ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብታ ዞባ ዝከቡ ትካላት ትምህርቲ ከም ዝዓነዋ ብምሕባር ዳግም ሃኒፅካ ናብ ንቡር ግልጋሎተን ንምምላስ ኣብ ዝግበር ንጥፈታት ካልኦት ሰብ ሃፍቲ እዉን ኣሰር ልምዓታዊ ተግባር ኣይተ ዘርኡ ስዒቦም እጃሞም ከበርክቱ ፀዊዖም።

Previous articleዓመታዊ ዋዕላ ዝኽረ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ
Next articleሆስፒታል ለምለም ካርል ማይጨዉ ካብ ሆስፒታል ለካቲት 12 ኣዲስ ኣበባ ዝተልኣኸ 10 ነጥቢ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ናዉቲ ሕክምናን መድሓኒትን ተረኪባ።