Home ዜና ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ብሄረስብ ኢሮብ

ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ብሄረስብ ኢሮብ

883

ህዝቢ ብሄረስብ ኢሮብ በዓል መስቀል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝደመቐ ኣገባብ ዘኽብሮ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል እዩ። በዓል መስቀል ምስ ህዝቢ ኢሮብ ፉሉይ ምትእስር ኣለዎ። ዓመት ሙሉእ ተፀብዩ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ተወላዲ ኢሮብ መስቀል ምኽንያት ገይሩ ምስ ቤተሰቡን ፈተውቱን ይራኸብ። ተወላዲ እቲ ብሄር ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ምኽንያት ተዘይገጢምዎ ካብ በዓል መስቀል ተፈልዩ ኣይውዕልን። እዚ ድማ ማሕበራዊ መስተጋብር እቲ ህዝቢ ኣብ ምሕያል ዕዙዝ ግደ ዘለዎ በዓል እዩ።


ምስ በዓል መስቀል ፉሉይ ፍቕሪ ዘለዎ ህዝቢ ኢሮብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ወራሪ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ከብዕሎ ኣይከኣለን። ከብዕሎ ኣይክከኣለን ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ወራሪ ሓይሊ ብጅምላ ተጨፍጭፉ እዩ። ሐዚ እውን እንተኾነ ልዕሊ ፍርቂ መሬት እቲ ወረዳ ኣብ ትሕቲ እቲ ወራሪ ሓይሊ እዩ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ገሊኡ ተመዛቢሉ ኣብ ዓዲ ግራትን መቐለን ገሊኢ ኣብ መረበቱ እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ወራሪ ሰራዊት ኮይኑ እዩ እዚ ግዘ ዘሕልፎ ዘሎ። ህዝቢ ኢሮብ በዓል መስቀል 2016 ባህላዊን ሃይማኖታውን ትውፊታቱ ክጠፍእ ስለዘይብሉ እዩ ነቲ በዓል ዘኽበሮ እምበር ኣብ ከቢድ ስብ ስራሕን ተፈጥራውን ፀገም እዩ ዝርከብ።


ብመሰረት ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊት በዓል መስቀል ኣብ ብሄረስብ ኢሮብ ካብ ወጋሕታ ደርሆ ነቆ ጀሚሩ እዩ እናተኸበረ ዝውዕል። በዚ መሰረት ንጉሆ ወጋሕታ እንስሳ ቀርነን ብጠስሚ ክዕኮኻ ማለት እውን ክጣሰማ ብምግባር ተሓልዩ ኣብ ዝኸረመ ሕዛእቲ ክምገባ ይግበር፡ ከፍቲ ክዕኾኻ ዝግበር ብሓደ ገፅ ብኣይሁዳውያን ጠፊኡ ዝነበረ መስቀል ክርስቶስ ብንግስቲ ኢለኒ ክርከብ ከሎ ካብቲ ዝነበሮ መቓብር ፍሒራ ዘውፅእቶ ዓርሒ ምኻና መራሕቲ ሃይማኖት ይዛረቡ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ህዝቢ ኢሮብ ህላወኡ ኣብ ሃፍቲ እንስሳ ዝተመስረተ ስለዝኾነ ነተን እንስሳ ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላፅ ቅድሚ ከርሱ እተን እንስሳ ክምገባን ጠስሚ ክጣሰማ ከምዝገብር ዓበይቲ ዓዲ ይሕብሩ። ካብዚ ብምቕፃል ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ብሓባር ኮይነን ጋዓት ጠስሚ ብምስራሕ ስድራቤታት ክቖርሱ ይግበር። እተን ኣዴታት ቀትሪ ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓዳስ መርዓት እንተሃልያ ኣብ እንዳ መርዓት ይውዕላ ተዘይሃልያ ኣብ ዝመረፃኡ የብዕላኦ።


መናእሰይን ኣቦታትን ድማ ንሕርዲ ዝተዳለዋ እንስሳን ሒዞም (ማስቃል ሓዳ) ማለት እውን ናብ መውዓሊ መስቀል ብምውፋር ነተን እንስሳ ንካልኣይግዘ ብምዕኳኽ ናብ ስነ ስርዓት ሕርዲ ይእተ። ብበሄረስብ ኢሮብ ብፉሉይ ዝፍለጡ ሶላን ግዕዝምን ዝበሃሉ ዓይነት ምቁር ስጋ ትቋደስ። ካብተን ዝወፈራ ዝሕለብ ሓዲሽ ፀባ ምስታይ እውን ኣካል መድመቒ መስቀል እዩ። ኣብ መወዳእታ ፀሎትን ምህልላን ንፈጣሪኦም ብምዕራግ ንመፃኢ ሰናይ ትምኒት ብምምናይ እቲ መዓልታዊ ስነ ሰርዓት ብምዝዛም ምሸት ናብ ባህላዊ ፀወታ ጓይላ ይኽየድ። ናይ ለብዘበን በዓል መስቀል ብደረጃ ወረዳ ኣብ እግሪ ጎቦ ዓሲምባ ፉሉይ ቦታ “ያሆዳጋ” ተወከልቲ ህዝብን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣመራርሓ እታ ወረዳን ኢሉ እውን ናይ ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ሱባጋድስ ኣብ ዝተረኸብሉ እውን ተኸቢሩ ውዒሉ።
ብድምር በዓል መስቀል ኣብ ኢሮብ ዝገሸ ዝመፀሉ፡ ዝተባኣሰ ዝዕረቐሉ፡ ዘይብሉ ዝሕገዘሉ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓል እዩ።
#ብእያሱ በርሀ