Home ዜና ስነ-ስርዓት ፍትሓትን ምንካይ ብኽነትን

ስነ-ስርዓት ፍትሓትን ምንካይ ብኽነትን

287

ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይዓለም ኣብ ሽዱሽተ ኣብያተክርስትያን እታ ጣብያ ፀሎተ-ፍትሓት ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ተሳሊጡ።

ህዝብናን ዓድናን ኣይነድፍርን ኢሎም ካብቲ ጣብያ ምስ ወላዲኣ ተጋዲላ ወላዲኣ ተሰዊኡ ፤ ንሳ ድማ ብስንብት ዝተመለሰት ሓርበኛ መብርሂት ብርሃኑን ውላዶም ምእንተ ህዝቡ ዝተሰወአ ሃለቃ ገብረኺዳን ኪዳኑን ድሕሪ እቲ ብሄራዊ መርድእ ህዝብን ኣመራርሓን እታ ጣብያ ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበሩሎም ከምዘለው ሓቢሮም።

ሎሚ 9 ሕዳር 2016 ዓ.ም ድማ ንዝተሰውኡ ኣባላት ስድርኦም ሓዊሱ ንኹሉም ሰማእታት እታ ጣብያ ዝተገበረ ሓበራዊ ፀሎተ-ፍትሓት ካብ ብኽነት ከምዘድሓኖምን ሕልናዊ ዕረፍቲ ከምዝፈጠረሎምን ገሊፆም።

መራሕቲ ሃይማኖት እታ ጣብያ ዝኾኑ መልኣከ ህይወት ቀሺ ገብረመድህን ኣብርሃን ቐሺ ሓዱሽ ገብረዮሃንስን ስድራ ስውኣት ካብ ብኽትን ጭንቅን ንክድሕኑ መንበረ ሰላማ ብዝኣዘዞ መሰረት ምስ ህዝቦም ተረዳዲኦም ብሓደ መዓልቲ ኣብ ሽዱሽተ ኣብያተክርስትያን ጣብያ ማይዓለም ፀሎተ-ፍትሓት ከምዝገበሩ ዝገለፁ ንቐፃሊ እውን ንስድራ ስውኣት ዝግበር ሓገዝን ክብር ኣበርቲዖም ከምዝቕፅልሉ ቃል ኣትዮም።

ምእንተ ህላወ ህዝቦም ዝተሰውኡ ሰማእታት ምስ ስድረኦምን መራሕቲ ሃይማኖትን ብምርድዳእ ህዝቢ ብዝኸኣሎ ኣዋፂኡ ንሽዱሽተ ፅጉማት ነፍሰወከፎም ብ5 ሽሕ ብር ወፃኢ ደቆም ክመሃሩ ፤ ብልዕሊ 900 ጉልበት ሰብ ውን ናይ ጠቕላላ ተጋደልቲ ዝራእቲ ከምዝኣከቡ ዝገለፁ ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ህንፃ ኣራፋይነ፤ ድሕሪ እቲ ሎምዓንቲ ዝተገበረ ፀሎተ ፍትሓት ንቐፃሊ እውን ብምምኽኻር ዝግበር ሓገዛትን ስምምዕነት ምንካይ ብኽነትን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

ብሳሙኤል ገብረታትዮስ