Home ዜና ስነ ስርዓት 10ይ ዙር ሽልማት ይዕቖሩ ይሸለሙ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ

ስነ ስርዓት 10ይ ዙር ሽልማት ይዕቖሩ ይሸለሙ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ

541

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመረሉ ምስረታ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ብምግባር ስነ ስርዓት መርሃ ግብሪ ሽልማት ይዕቖሩ ይሸለሙ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀንራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ፈተና ሓሊፉ እዩ ተረኺቡ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ብሙሉእነት ክትግበር ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብጥቡቕ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ተመዛብልቲ ናብ ንቡር ቦተኦም ክምለሱን ዳግመ ሕውየት ትግራይ ክካየድ ዝሓዞም ዕማማት ንምትግባር ብትኹረት ከምዝስራሕ ዝሓበሩ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ካልኦት ባንክታትን ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ብምእታው ክሕግዙ ፀዊዖም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ፕሮግራም ይዕቖሩ ይሽለሙ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግደኡ ዝለዓለ እዩሞ ቐፃልነት ክህልዎ ይግባእ ድማ ኢሎም ሌተናል ጀነራል ፃድቃን።

ሓላፊ ድስትሪክ ሰሜን ምብራቕ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ሳሙኤል ተስፋሁነኝ ጉዕዞ 60 ዓመት እቲ ባንኪ ንዝደገፉ ዓማዊልን ህዝቢ ትግራይን ኣመስጊኖም።ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ምስረታ መበል 60 ዓመት ምኽንያት ብምግባር ድማ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ሽልማት ኣፍልጦ ሂቡ።

እቲ ባንኪ ጥሮታ ንዝወፁ ሰራሕተኛታቱ ሽልማት ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኾን ብይዕቆሩ ይሸለሙ ፕሮግሙ ድማ 10ይ ዙር ተሸለምቲ ላፕቶፕ ወ/ሮ ኣርሴማ ሃይላይ ፣ ኣይተ ዘነበ ኣረጋዊ ፣ ኣይተ ኣሰፋ በርሀ ኮይኖም ተሸለምቲ ባጃጅ ድማ ወ/ሮ ሻሼ ሓለፎም ካብ ጨንፈር ኣውላዕሎን ኣይተ ኣሰፋ በርሀ ደሞዝ ካብ ጨንፈር ኣክሱምን እንትኾኑ ኣይተ ብርሃነ በርሀ ለማ ካብ ጨንፈር የጭላ ተሸላሚ መኪና ኾይኖም ኣለው።

#ብጥዑማይ ገዛኢ