Home ዜና ”ስድራ ከም ስድራ ንምብራስ ዘንፀላለወ ሓደጋ ጥሜት…”

”ስድራ ከም ስድራ ንምብራስ ዘንፀላለወ ሓደጋ ጥሜት…”

2369

እዞም ህፃውንቲ ኣባይ፣ሓበንን ቅዱስን ሃይለ ይበሃሉ። ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ጣብያ ስየ ቁሸት ህድሞ ነበርቲ ኮይኖም ኲናትን ድርቅን ዘስዓቦ ጥሜት ዝብላዕ ሰኢኖም ሂወቶም ንምድሓን ተበሊዑ ዝተደርበየ ፍረ ጋባ እናቀጥቀጡ መሕደሪ ትንፋስ ክምገቡ ረኺብናዮም።

እዞም ብሓለነጊ ጥሜት ዝግረፉ ዘለው ህፃናት ካብ ሎሚ ፅባሕ እንተሐሸ ኢሎም ህይወቶም ንምድሓን ንግዚኡ እውን እንትኾነ ጥሜቶም ዘዐግስሉ ምግቢ ክረኽቡ ኢዮም ፋሕጠርጠር ዝብሉ ዘለው።

ወ/ሮ ኣበባ ተኽለሃዋርያት ኣዶ እዞም ሕሱም ጥሜት ኣንፀላልይሎም ዘሎ ህፃውንቲ ኮይነን 6 ርእሰን በቲ ጥሜት ከይፀንታ ኣብ ከቢድ ሰግኣት ኣትየን ከምዘለዋ ይዛረባ።

እዘን ኣደ ድሕረ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ረኺበን ደቀን ከዐንግላ ተስፋ እንተነበረን እውን ትምኒተን ተስፋ ኾይኑ ከም ዝተረፈ ብምግላፅ  መንግስቲ ይኹን ግዱሳት ወገናት ብህፁፅ እንተዘይ በፂሖምለን ሂወተንን ሂወት ደቀንን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ሓቢረን።

ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ብርሃነ ገብረሂወት እቲ ኣብ እንዳ ወ/ሮ ኣበባ ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ኣብ ሕድሕድ ገዛ ጣብያ ስየ ከም ዘሎን ክሳብ ሐዚ ኣብታ ጣብያ ብሰንኪ ጥሜት ሂወት 25 ወገናት ከም ዝሓለፈን ሓቢሮም።

ሓደጋ እቲ ጥሜት ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝብገስ ድማ ዛጊድ ልዕሊ 400 መራሕቲ ስድራ ህይወቶምን ህይወት ደቆምን ንምድሓን መረበኦም ዓፅዮም እግሮም ናብ ዝመርሖም ከም ዝተሰዱ ኣይተ ብርሃነ ገ/ህይወት ኣፍሊጦም።

ነዚ ከቢድን ግዜ ዘይህብን ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ትግራይ ምስ ትካላት ረዲኤትን ሰብ ሃፍትን ተሓባቢሩ ህፁፅ መፍትሒ እንተዘይወሲዱ ግና ህዝቢ እታ ጣበያ ኣንፀላልይዎ ዘሎ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ዝኸፍአ ከም ዝኸውን ኣታሓሳሲቦም።

ብርሃነ መስፍን