Home ዜና ስግኣት ፀጥታ ከተማ ዓዲግራት

ስግኣት ፀጥታ ከተማ ዓዲግራት

656

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርኣ ዘሎ ስግኣት ፀጥታ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ መሓዉር ፀጥታ ተዋዲድካ ናይ ዘይምስራሕ ጉድለት ዝፈጠሮ እዩ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ከተማ ዓዲግራት። ኣብታ ከተማ ብስፍሓት ዝርኣ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ተወዲብካ ካብ ምስራቕን ክትራንን ብተወሳኺ እንስሳት ምስራቕ እዉን ሓዱሽ ተርእዩ ሙዃኑ ነበርቲ ከተማ ዓዲግራትን ከባቢኣን ገሊፆም። እዞም ወገናት ኣብ ባዕሎም ንዝተፈፀመ ገበን ክትራንን ስርቅን ብምግላፅ እዮም ነዚ ዝበሉ ።

ሓደ ሓደ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ተጠርጠርቲ ድማ ብዘይ ፍርዲ ዝፍትሕሉ ኩነታት ከም ዘሎ እዉን ትዕዝብቶም ይዛረቡ። እቲ ካብ ሕብረተሰብ ንዝለዓሉ ቅርታታት ትኽክል ከምዝኾነ ብምእማን ኣብ ቀፃሊ ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዱ ዕማም ምርግጋፅ ፀጥታ ከምዝዉገን ኣተሓባባሪ ፀጥታን ምምሕዳርን እታ ከተማ ኣይተ ገ/ኣብሔር ገብረስላሰ ገሊፆም።

ብገበን ክትራን ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሕዎም ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ዝርኸቡ ወገናት መንግስትን ህዝብን ተዋዲዱ ነቶም ኣብ ከምዚ ዝበሉ ተግባር ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ኣብ ቁፅፅር ክዉዕሉን ቅፅዓት ክረኽቡን ፀዊዖም። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ መዉጋእትን ሓደጋ መኪናን ሓዊሱ ልዕሊ 4 ሚእቲ ወገናት ሕክምናዊ ግልጋሎት ከምዝረኸቡ ኣተሓባባሪ ኬዝ ቲም ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ኣይተ ተመሰገን ገ/ኣብሄር ገሊፆም።

ኣተሓባባሪ ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኪዱ ገብረፃድቃን ኣብተን ብስፍሓት ገበን ዝፍፀመለን ቦታታት ብምንፃር መሓዉር ፀጥታ ዳግም መሓዉሩ ፈቲሹ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወ ብምግላፅ ኣብ ከተማታት እቲ ዞባ ዝርኣዩ ዘለዉ ፀገማት ፀጥታ ኮንትሮባንድን ኩብለላ ሰባትን ንምቁፅፃር ካብ ዞባ ክሳብ ክልል ተዋዲድካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ሓቢሮም። ብሳራ ኣብርሃለይ