Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ሶፍትዌር ንምዝማን ሊዝ ጨረታ

ሶፍትዌር ንምዝማን ሊዝ ጨረታ

89

ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ” LBAS-E ሊባስ ኤሌክትሮኒክስ “ዝተሰየመ ሶፍትዌር ንምዝማን ከይዲ ሊዝ ጨረታ ከምዘተኣታተወ ኣፍሊጡ።

ተጫራቲ ኣብ ዘለውሉ ኮይኖም ንምጭራት ዘኽእል ሶፍትዌር ከምዝኾነ እውን እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ብርክት ዝበለ ሓይሊ ሰብ ምጥላብ ፥ ነዊሕ ግዘ ምውሳድን ካብ ሕብረተሰብ ድማ ኣመኔታ ምስኣንን ኣብ ዝነበረ ከይዲ ጨረታ ይርአ ምንባሩ ዘዘኻከሩ ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ኣለምግርማይ ገብረፃዲቅ ብዩኒቨርሲቲ መቐለ ማዕቢሉ ናብ ስራሕ ዝኣቱ ዘሎ ሶፍትዌር ነቲ ፀገም ክፈትሕ ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣጠቃቅማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን ስሉጥን ግልፅን ዝኾነ ከይዲ ሊዝ ጨረታ ንምሃብ ከምዝሕግዝ ተኣሚኒሉ ተኣታትዩ ዘሎ እቲ ሶፍትዌር ፅፉፍ መረዳእታ ብምሓዝ ኣዋህባ ግልጋሎት ንምዝማንን ሓጋዚ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሶፎትዌር ቀፂሉ ኣብ ዝካየድ ከይዲ ሊዝ ጨረታ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ተሓቢሩ።

#ብራሄል_ኣረጋዊ