Home ዜና “ሽርሒ ፀላእትና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መንነትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ከብርሱ ዘይፈፀምዎ ግፍዕን...

“ሽርሒ ፀላእትና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መንነትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ከብርሱ ዘይፈፀምዎ ግፍዕን በደልን የለን “-ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ

493


ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ብድሙቕን ብዝተፈለየ መልክዕን ዝተኸበረ ባዓል ሕዳር ፅዮን 2016 ዓም ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሽርሒ ፀላእትና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ መንነትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ከብርሱ ዘይፈፀምዎ ግፍዕን በደልን የለን ድሕሪ ምባል ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክቕፅል ዝኻኣለ ብሳላ ክቡር መስዋእቱን ሓድነቱን እዩ ክብሉ ገሊፆም ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ኲናት ፅንተት ኣብ ትግራይ ሓጓፍ ስትራተጂካዊ ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣጋጢሙ ኣሎ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነዚ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ መንገዲ መልክዕ ንምትሓዝን ህልዉና ህዝብና ብዘተኣማምን መንገዲ ንምቕፃልን ብሓባርን ብዉዳበን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ።

ኣብ ቅድሚ ሓወልቲ ኣክሱም ኮይንና ከመይ ከም ዝስራሕ እምበር ከመይ ከምዘይስራሕ ናይ ሃካያት ኣተሓሳስባ ብዘይወዓል ሕደር ክንእርሞ ይግባእ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት ንመስዋእትን ታሪኽን ህዝቢ ትግራይ ዝምጥን ፖለቲካዊ መሪሕነት ኣመዓራሪና መሰል ዓርሰ ዉሳነ ህዝቢ ትግራይ ክረጋገፅ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም ።

ከተማ ኣክሱም መርኣያ ናይ ኩሎም ተፈጥራኣዊን ሰብ ሰራሕን ሓድግታት ትግራይ እያ ዝበሉ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብሓይልታት ፅንተት ዝዓነዉ ሓድግታትና መሊስና ናብ ረብሓ ብምዉዓል ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ክህነፅን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝነብረሉ ባይታ ንምፍጣር ክንሰርሕ ኢና ድሕሪ ምባል ኣብ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከይተዋገና ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ህዝብታት ዘለና ዝምድና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ኢሎም ።
ኣብቲ ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተኸበረ በዓል ሕዳር ፅዮን 2016 ዓም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ በፃሕቲ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ኣመንትን ተረኺቦም ።

ብዮሃንስ ብርሃነ