Home ዜና ቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ቃልሲ ኣንፃር ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

1277

ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ንኣሽሓት ዓመታት ሓቢሮም ዝነበሩን እዋን ስልጣነታት ዳኣማትን  ኣኽሱምን ኢሉ እውን ክሳብ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣብ ሓደ ምሕደራ ዝነበሩ  ኣብ መዋእሎም ሓበራዊ ቃልስን መስዋእትን እናኸፈሉ ወርቃዊ ታሪኻት እናፈፀሙ ዝመፅኡ ህዝብታት እዮም፡፡

ብታሪኽ ኣጋጣሚ ብፍላይ ሃፀይ ሚኒሊክን ሰዓብቶምን ብዝፈፀምዎ ክሕደትን ምስ ባዕዳውያን ዝፈፀምዎ ውዕላትን እቲ ሓደ ህዝቢ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣብ ክልተ ክኽፈል ተገይሩ እዩ፤ እንተኾነ እውን እቲ ክልቲኡ ሓው ህዝቢ ዝነበረ ማሕበራዊ ረኽቢ ብፍፁም ሕውነት ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ እዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ንናፅነቱ  ኣብ ዝገበሮ ፈታኒን ጥንኩርን ቃልሲ  ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነቲ ቃልሲ ብመትከል ካብ ምድጋፍ ሓሊፎም ክሳብ ምእንተ ናፅነት ኤርትራ ክብሉ ኣብ ሜዳታት ኤርትራ ብዙሓት ቀያሕትን  ፀለምትን መላምል ደቂ ትግራይ ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም ሓሊፎም እዮም፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ናፅነቱ ኣበሲሩ ሓዳሽ ሃገረ ኤርትራ ተባሂላ እንትትምስርት እውን ህዝቢ ትግራይን መሪሒነቱን ካብ ኤርትራውያን ብዘይነኣኣስ ታሕጓሶምን ድጋፎምን  ገሊፆም እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ኣብ ሉኣላውነትን ናፅነትን ኤርትራ ዘለዋ ፅኑዕ መርገፂ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዘይቀያየር ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እናተገለፀ መፂኡ እዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ንቡር ርክብ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብምብታክ ደማዊ ቅርሕንቲ ኣብ ክልቲኡ ሓው ህዝቢ ንምትካል መንግስቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምስቶም ታሪኻዊ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢታት ትግራይን ኤርትራን ዝኾኑን ‘’ግዝኣት ወሰንና ቀይሕ ባሕሪ እዩ’’ ምስ ዝብሉ ሓይልታት ተሻሪኹ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት እናፈፀመ ህዝቢ ትግራይ ክፀንት ብዕቱብ ይሰርሐሉ ኣብዘለውሉ እዋን እንተኮነ እውን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ሉኣላውነትን ናፅነትን ኤርትራ ዘለዎም ቅዋም ከም ቀደሞም እዩ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንፃር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መንግስቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ከምኡውን ገበቲ ሓይልታት #ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ገበን ጀኖሳይድ ንምክልኻል ዝገብሮ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ኣንፃር እቶም ሰይጣናዊ ጥምረት ገይሮም ዘለዉ ሓይልታት ምኳኑ ብተደጋጋሚ ክግለፅ ፀኒሑ እዩ፡፡

እቲ ህዝቢ ትግራይ ብምፅናት ኢትዮጵያ ብምፍራስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ቅልውላው ክጋደድ ዝሰርሕ ዘሎ መንግስቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ህዝባዊ ቃልሲ ኣንፃር ሉኣላውነት ናፅነት ኤርትራ ዘቅንዐ እዩ እናበለ ህዝቢ ኤርትራ ክደናገር ፃዕረ ሞት ዝወለዶ ሓሶት እናወዝዐ ይርከብ፤ ይኩን እንበር እዚ ምስ ዝፀንሐ ፅኑዕ መርገፂ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ እንትርኣይ ግን ከንቱ ድኻም እዩ፡፡

ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ብሰናይ ሕውነትን ጉርብትናን መፃኢ ዕድላቶም ኣብ ክንዲ ዘማዕብሉ ኣብ ዕንክሊልን ምጥፍፋእን ንክኣቱ ዘራያት ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባራት ጥፍኣት ንክመሓው ክልቲኦም ህዝብታት ዝገብርዎ ሓበራዊ ቃልሲ እንኮ መፍትሒ ምኳኑ ድማ ይሰማምዕሉ፡፡

ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ስርዓት  መፂኡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ፣ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ህዝብታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንቡር ሕውነታዊ ርክብ ንክህልዎ ኣብ ምእላይ መንግስቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ደገ ዝርከቡ ዲያስፖራን ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ፍትሓዊ ቃልሲ ብምድጋፍ ሓበራዊ ዓወት ምምዝጋብ መፃኢ ዕድላቶም ብሩህ ዝገብርሉ እዋን ሕዚ እዩ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ንናፅነቱ ዝኸፈሎ ረዚን ዋጋ ብሰንኪ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ስቅታ ህዝቢ ኤርትራን ድኽመት ጥምረት ቃልሲ ኣብ ደገ ዝርከብ ኤርትዊ ዲያስፖራን ዕንደራ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኣጋ ክእርም እንተዘይኽኢሉ ኤርትራን ህዝባን ንቀፃሊ ስቃይን መከራን ጎረባብቲ ኤርትራ ድማ ናብ ቀፃሊ ዘይምርግጋዕ ዘሳጥሕ ምዃኑ ብምርዳእ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣንፃር እቲ ሓበራዊ ፀላኢኦም ዝኾነ ጠላም መንግስቲ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይዋዓል ሕደር ቃልሶም ዘጠናኽርሉ መድረኽ ከምዝኾነ ብርክት ዝበሉ ሙሁራንን ፖለቲከኛታትን ገሊፆም፡፡

ብሃፍታሙ ገ/ስላሴ