Home ስፖርት ቅድድም ብሽክሌታ ፕረዚደንሻል ቱር ቱርኪ

ቅድድም ብሽክሌታ ፕረዚደንሻል ቱር ቱርኪ

198

ሓምሻይ መድረኽ ወድድር 177.9 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ዕለተ ሓሙስ ቀፂሉ ዝተሳለጠ እንትኸዉን ብረቡዕ ዓወት ዝቀንዖ ኣንደርሰን ቶብያስ ኣከታቲሉ ተዓዊቱ።ከም ጋንታ ኣብ ፅቡቅ ደረጃ ክትስራዕ ዝንኣድ ምንቅስቃስ ዝገብር ዘሎ ፕሮፌሽናል ብሽክሌተኛ ነጋሲ ሃይሉ ካብ ጋንታ Q36.5 ድማ 155 ተወዳደርቲ ዉድድሮም ኣብ ዝዛዘምሉ ፈታኒ መድረኽ መበል 100 ደረጃ ኣትዩ።

ብሽክሌተኛ ነጋሲ ብሓፈሻዊ ወፅኢት ኣብ መበል 55 ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ብሓፈሻ ሸሞንተ መድረኻት ወድድር ዘለዎን 1179 ኪሎ ሜትሮ ዝሽፍንን ቱር ቱርኪ ዓርቢ ሻድሻይ መድረኽ 160.1 ኪሎ ሜትሮ ክቅፅል እዩ።

#ሓበን ካሕሳይ