Home ዜና ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መድረግቲ ኣካላት መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕናን...

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ምስ መድረግቲ ኣካላት መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕናን መፍትሒኡን ኣድሂቡ መፅናዕቲ ኣካይዱ።

683

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ምስ ምርምር ጥዕና ትግራይን ዩኒቨርስቲታ መቀለ፣ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ብሓባር ብምዃን መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምንፃር ስርዓተ ጥዕና ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ንምዕጋትን ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ።


ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ደ/ር በፀጋይ በሪሁ ነቲ ፅንዓት ከካይዱ ምኽንያት ዝኾኖም ቁፅሮም ዘይናዓቅ ሰብ ሞያ ጥዕና ትግሪይ ናብ ካልኦት ክልላትን ሃገራትን ምስዳዶም ስዒቡ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
መፅናዕቲ ካብ ዘካይዱ ምሁራት ሓደ ዝኾኑ ደ/ር ኣለም ገብረማርያም ብግደኦም ጆናኖሳይድ ኩናት ትግራይ ዘስዓቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ቀንዲ ምኽንያት ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።


ደ/ር ዘሚካኤል ወልደገብሪኤ እውን ካብቶም መፅናዕቲ ዘካየዱ ሓደ እንትኾኑ ካብ መንቀሊ ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ብምብጋሰ መፍትሒ ይኾኑ እዮም ካብ ዝበልዎም ማሃያን ጥቅማጥቅምን ብኣግባቡን ኣብ ግዜኡን ክኽፈሉ ሓቢሮም።


ስርዓተ ጥዕና ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ፍልሰት ሰብ ሞያ ጥዕና ትግራይ ንምዕጋትን ምስ መድረግቲ ትካላት ይስራሕ ምህላው እውን ደ/ር ፀጋይ በሪሁ ገሊፆም።

ብብርሃነ መስፍን