Home ዜና ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርታዊ ስልጠናን  ቅድሚ ኲናት ዝነብሩ ሰልጠንቱ ዝጀመርዎ ስልጠና ንክዛዝሙ...

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርታዊ ስልጠናን  ቅድሚ ኲናት ዝነብሩ ሰልጠንቱ ዝጀመርዎ ስልጠና ንክዛዝሙ ዘኽእሎም ከይዲ ስልጠና ጀሚሩ።

220

ትግራይ ንዝቅፅል ነዊሕ መዋእል ብዘይ ሓላውን ተካእን ወለዶ ንምትራፍ ዓሊሙ ዝቀንዐ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ትግራይ ዝነበሩ 44 መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጃት ብወረርቲ ሓይልታት ኩሉ ዓይነት ዕንወት ክበፅሐን ስለ ዝተገብረ ዛጊድ ናብ ስሩዕ ስራሕ ክኣትዋ ኣይከኣላን ክብል ቢሮ ቴክኒክንሞያንትምህርታዊ ስልጠናን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ይኹን እምበር ትካላት ዓንየን እየን ኢልካ ኮፍ ምባል ምቅፃል ዕላማ እዞም ወረርቲ ብምኻኑ በታ ዝርካብ ናውትን ሓይሊ ሰብን ንነባራት ሰልጠንቲ ዝጀመርዎ ስልጠና ክዛዝሙ ንምግባር ዘኽእሎም ዕማም ንምውጋን ዛጊድ ኣብ ሽዱሽተ ኮሎጃት ቴክንክን ሞያን ስልጠና ምጅማሩ ላዕለዋይ ኪኢላ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣብርሃም ብርሃነ ኣረዲኡ።

ሚኒስትር ቴክንክን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ንሓደሽቲ ሰልጠንቲ ኣመልኪቱ ዘውፅኦ መመዘኒ ረቋሒ ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ተምሃሮ ንምዝማድ ኣፀጋሚ ብምኻኑ ንግዚኡ ሓዱሽ ሰልጣኒ ምቕባል ከም ዘይከኣል ኣይተ ኣብርሃም ይገልፁ።

 ነእንተኾነ ግና ነዊሕ ስልጠና ክሳብ ዝጅመር ኣብ ዝተነፀሩ ዓውድታት ብሓፂር ስልጠና ክስልጥን ዝደሊ ሓዱሽ ሰልጣኒ ተቐቢልካ ናይ ምስልጣን ተግባር ክቕፅል እዩ። ሓሳብ ኣይተ ኣብርሃም እዩ፡

ብሙስጦፋ ጡሃ