Home ዜና ባንኪ ኣቢስንያ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝዋጉኡ 110ኩንታል ጣፍ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ...

ባንኪ ኣቢስንያ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ብር ዝዋጉኡ 110ኩንታል ጣፍ ብማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ንዝተትሓዘ ፕሮጀክት ዝውዕል ሓገዝ ለጊሱ

619

እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ክጅምር ትፅቢት ዝግበረሉ ፕሮጀክት ንልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ዕድል ዝፈጥርን ብቐዋሚ ዓርሰን ዝጥውራሉን ፕሮጀክት እዩ።

እዚ ፕሮጀክት ኣብ ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ዝኽፈት ማእኸል ምግብና እንትኸውን ዕድል ስራሕ  ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ምግቢ ብርትዓዊ ዋጋ ምቅራብን ጠዋሪ ዘይብሎም ህፃናትን ኣረጋውያንን እውን ብነፃ ዝምገብሉ ዕድል ከም ዝፈጥር ዩ  ዝተገለጸ

ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ባንኪ ኣቢስንያ ንመጀመሪ ስራሕ ዝውዕል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዋግኡ 110 ኩንታል ጣፍ ብመልዕ ሓገዝ ኣበርኪቱ ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣካያዲ ስራሕ ባንኪ ኣቢስንያ ጨንፈር መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ኪዳነማርያም ባንኪ ኣቢስንያ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል እናሓገዘ  ከም ዝመፀ ብምሕባር እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ ሓገዝ እውን ናቱ መቐፀልታ ምዃኑ ገሊፆም።

ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወኪለን ነቲ ሐገዝ ዝተረከባ ወ/ሮ ብርቱኳን በሪሁ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ቀረባ ግዜ ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል ዛጊድ ልዕሊ 15 ሚልዮን ዝዋግም ናውቲ ምግብና ብሓገዝ ከም ዝተረኸበ  ኣፍሊጠን።

#ብርሃነ መስፍን