Home ዜና ግደ ሃፍቲ መዓድንን ማይን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ

ግደ ሃፍቲ መዓድንን ማይን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ

585

ግቡእ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምርግጋፅ ዳግመ ህንፀትን ውሑስ ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ እዩ- ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ
ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ምድሪ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምስ ቢሮ መሬትን መዓድንነ ትግራይ፤ቢሮ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ትግራይንምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር “ግደ ሃፍቲ መዓድንን ማይን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ” ብዝብል መርሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ኣሳሊጡ፡፡

ኣብቲ ሓበራዊ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ግቡእ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ምርግጋፅ ዳግመ ህንፀትን ውሑስ ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ብምዃኑ ብዕቱበነት ክስረሐሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ትግራይ ካብ ወርቂ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ መዓድናትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዝወነነት እያ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ትግራይ ዶክተር ከላሊ ኣድሀና ነቲ ዘሎ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘመናዊ ሜላ ብመልማዕ ብኣግባቡ ምጥቃም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ከርሰ መሬት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ዝተፀነዑን ዘይተፀነዑን መዓድናት ሓቚፉ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ኣብ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ዳይሬክተር ዳሬክቶሬት ምሕደራ መዓድን ኣይተ ፍስሃ መረሳ ብወገኖም እቲ ዘሎ ሃፍቲ ክንጥቀመሉ ዝዋደደ ዉፅኢታዊ ስራሕ ክዕመም ይግባእ ኢሎም፡፡

ትግራይ ብሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተዓደለት ምድሪ እኳ እንተኾነት ዛጊድ ግና ብኣገባብ ኣብ ረብሓ ኣይወዓሉን ዝበሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተመራማሪ ስነ-ምድሪ ፕሪፌሰር ምሩፅ ሓጎስ ብግደኦም ነቲ ዘሎ ሃፍቲ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ናይ ህዝቢን መንግስቲ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝጠልብ ኣረድኦም፡፡

ብታደለ ዳኘው