Home ዜና ባንኪ ዓለም ንመሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝውዕል 180 ሚልዮን ብር ንምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት...

ባንኪ ዓለም ንመሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝውዕል 180 ሚልዮን ብር ንምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ድጋፍ ገይሩ።

1437

ባንኪ ዓለም ንመሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝውዕል 180 ሚልዮን ብር ንምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ድጋፍ ገይሩ።

ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት እቲ ብባንኪ ዓለም ዝተገበረ ገንዘባዊ ድጋፍ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ንዝዓነው መሰረተ ልምዓታት ንምፅጋንን መሊስካ ንምህናፅን ድማ ምስ ተወከልቲ ማሕበረሰብ እታ ከተማ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።

         ከንቲባ ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ሰለሙን ሓጎስ ከም ዝገለፅዎ ዋላ ኳ እቲ ዝተገበረ ገንዘባዊ ድጋፍ ብዘላቒ ፀገማት ማሕበረሰብ ዝፈትሕ አንተዘይኮነ ግዜ ንዘይህቡ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንምፅጋን ሓጋዚ እዩ ኢሎም።

ኣተሓባባሪ ፕሮግራም ትካላዊ ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ከተማ ዓዲግራት ኣይተ ታደሰ ኪዳነ ብወገኖም እቲ ብባንኪ ዓለም ዝተገበረ ገንዘባዊ ሓገዝ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝዓነው ኣገደስቲ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ንምህናፅ  እኹል ስለዘይኮነ ትግራይ በፂሕዋ ንዘሎ ኩለመዳይ ዕንወት ንምሕዋይ ኣብዚ እዋን ግደ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ዝጠልብ እዩ ኢሎም።

ኣብታ ከተማ ዝራኣዩ ዘለው ሕፅረታት መሳለጢ ማሕበራዊ ግልጋሎት ንምፅጋን እቶም ዝተትሓዙ ፕሮጀክትታት ብዝተቐመጠሎም ግዘ ሰለዳ ተፀጊኖም ግልጋሎት ንምሃብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድላዪ ዘበለ ክትትል ክገብርሎም ተወከልቲ ማሕበረሰብ እታ ከተማ ተላብዮም።

ዝዓነው መሰረተ ልምዓታትት ንምፅጋንን ንምህናፅን ድማ እቶም ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኩለመዳያዊ ድጋፋት ንምግባር ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።

መርሃዊ ተስፋይ