ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም 9 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ። ዛጊድ ግና ብሄረሰብ ኢሮብ ቆላሕታ ከምዘይረኸበ እዩ ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ ዝገልፁ።
ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ብሄረሰብ ኢሮብ ብክባን ዕፅዋን ተቖሪኑ ይፀንት ከምዘሎ ድማ እቶም ተወለድቲ ኣተሓሳሲቦም።
ማሕበራዊ መራኸብታት እውን ተዓፅዮም እዮም ዝበሉ እቶም ተወከልቲ ፤ ብሄረሰብ ኢሮብ ብመንግስቲ ኤርትራ መለለዪ መንነቱ ክቕይር ይግደድ ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም።
ብሄረሰብ ኢሮብ ብጥዪትን ጥሜትን ሰራዊት ኤርትራ ይፀንት ብምህላው ፥ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክትግበር ዝፀውዑ እንትኾኑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሓሉ እውን ነሓሰ 28/2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ መተኣኻኸቢ ቴለቶን ከምዝካየድን ተወለድቲ እቲ ብሄረሰብ ኣፍሊጦም።
#ኤፍሬም_ረደሀይ