Home ዜና ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና 85 % መሪሕነቱ ሓደሽቲ ከምዝኾኑን ባይታኣዊ ሊብራል...

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ባይቶና 85 % መሪሕነቱ ሓደሽቲ ከምዝኾኑን ባይታኣዊ ሊብራል ዲሞክራሲ ርእዮተ ዓለም ከምዝኽተልን ኣፍሊጡ።

582

ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ 85 % መሪሕነቱ ሓደሽቲ ከምዝኾኑን ባይታኣዊ ሊብራል ዲሞክራሲ ርእዮተ ዓለም ከምዝኽተልን ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ፡ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ፥ ኣባላቱን ዑዱማትን ዝተሳተፍሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣካዪዱ ኔሩ።

ኣብዚ ዛዕባ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ፥ 85% መሪሕነት ባይቶና ሓደሽቲ ከምዝኾኑን ባይታኣዊ ሊብራል ዲሞክራሲ ርእዮተ ዓለም ከምዝኽተልን ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣይተ ኤርሚያስ ባራኺ ሓቢሮም።

ትግራይ ሰኣን ብሉፅ መሪሕነት እያ ፀኒታ ዝበሉ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ክብሮም በርሀ ፥ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ስግግር ፖሎቲካ ክልመድ ኣለዎ ኢሎም።ኣብ መንጎ ውድቦም ዝነበረ ኣፈላላይ ሓሳብ እውን ብዴሞክራስያዊ ኣግባብ ከምዝተፈተሐ ኣረዲኦም።

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ሰላም ፣ ፍትሕን ልምዓትን እዩ። ምእንተዚ ፤ ብጥዪት ዘይኰነስ ፡ ብፖሎቲካዊ ልዝብን ዲፕሎማስን ንምፍታሕ ከምዝቃለሱ እውን ኣይተ ክብሮም ኣተሓሳሲቦም።

ተዋዓዓልቲ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ናብ ተግባር ክፍጽምዎ ኣዪከኣሉን፣ ትግራይ ሕዚ እውን ኣብ ፅንተት እያ ዘላ። ሓዱሽ መሪሕነት እዚ ወድብ ነዚ ንምፍታሕ ክቃለስ እዩ ዝበሉ ድማ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ዮወሴፍ በርሀ እዮም።

ውድብ ባይቶና ምስ ሳወት ፣ ውናትን ዓረናን ኪዳን ኣሲሩ ከምዝቃለስ እውን ኣረጋጊፁ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ