Home ዜና ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቃዱ ( ወዲ ነጮ) መግለፂ...

ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቃዱ ( ወዲ ነጮ) መግለፂ ሓዘን መንግስቲ ትግራይ!

1069

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን፤ ካብ ዕድመ ንእስነቱ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ፤ ንወሳንነት ህዝብን ንምርግጋፅ ሉኣላውነት ዓድን፤ ንሰላም፣ ራህዋ፣ ዲሞክራስን፤ኩለ መዳያዊ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዕብየትን፤ ተጋዲሉ ብምግዳልን፤ ጥበብ ዝተመልኦ ኣመራርሓ ብምሃብን ምስ ብፆቱ ኮይኑ ዘይሃስስ ታሪኽ ፅሒፉ፤ 24 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ብሽርሒ ኣገዛዝኣ ፋሽሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ፤ ብመስዋእቲ ዝተፈላየና ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)፤ መንግስቲ ትግራይ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብስም ህዝቢ ትግራይ እንትገልፅ፤ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንዘለኻ ህዝብና፤ ንፈተውትን ደገፍትን ቃልስና፤ ንስድርኡ፤ ኣዝማዱን ናይ ቀረባ መሓዙቱን ፅንዓት ይሃብኩም ይብል፡፡

ህዝባዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ስሒሉ ካብ ዘውፅኦም ጀጋኑ ወተሃደራዊ መራሕቲ ትግራይ ተጠቃሳይ ዝኾነ፤ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)፤ ድሕሪ ምድምሳስ ቐዳማይ ደርግ ፅባሕ ግንቦት 20 ጀሚሩ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ 27 ዓመታት፤ ብህዝብን መንግስትን ዝተወሃብዎ ኩሎም ስራሕትን ወፍርታትን፤ብዓወት ንክዛዘሙ ግቡእ መሪሕነት ብምሃብ፤ህይወቱ፣ ፍልጠቱን ክእለቱን ብምውፋይ፤ ንምኽባር ሉኣላውነት ሃገር ብፅንዓትን እምነትን ተበጅዩ በይዛ ህዝቢ ዝኾነ ተጋዳላይ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ብውዲትን ሽርሕን ስልጣን ዝተቖፃፀረ፤ ኣገዛዝኣ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ፤ እንትርፊ ንህዝብን ሃገርን ምግልጋል፤ ካልእ ሓጥያት ዘይብሉ ጀግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ)፤ ወዲ ትግራይ ብምዃኑ ጥራሕ ብብሄራዊ መንነቱ ኣሲሩ ኣሳቕዩ፣ ብመናውራን ተንኮልን ቀቲሉ ድማ ክስዋእ ገይርዎ፡፡

እንተኾነ ናይ ጊዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣረመነ ኣገዛዝኣ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ብመስዋእቲ ወዲ ነጮ፤ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፣ ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ከምኡውን ካልኦት ብግፍዕን ጭካነን ዝተቐተሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ላዕለዎትን ታሕተዎትን መኮነናትን ወተሃደራትን ደቂ ትግራይ ተሓታታይ ከምዝኸውን ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ይግባእ፡፡

እዚ ዕድመ ልክዑ ንህዝብን ሃገርን ዘገልገለ፤ ብሽርሒ ኣገዛዝኣ 4 (ኣራት) ኪሎ ዝተቐተለ ፤ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ዝተሰወአሉ ኣግባብ ብዓለምለኸ ዘይሻራዊ ኣካል ንክፃረን፣ ብሄራዊ መንነቶም ገበን ኮይኑ ዝተኣሰሩ ኩሎም ደቂ ትግራይ፣ ካልኦት ፖለቲከኛታትን ወተሃደራውን እውንብዘዮ ውዓል ሕደር ክልቀቑ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ግቡእ ፀቕጥን ጭቡጥ ስጉምትን ክወስድ በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ኣብ መወዳእታ ትማሊ ይኹን ሎሚ ፤ ብዙሓት ሲቪልን ወተሃደራውን መራሕትን ተጋደልትን ደቂ ትግራይ ምእንቲ ድሕንነትን ብሄራዊ ክብሪ ህዝቢ ትግራይን ተሰዊኦም እዮም፡፡ እንተኾነ ወረጃ ህዝቢ ትግራይ ብዝኾነ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ፀገማት ንፃትውን ተንበርኪኹ ኣይፈልጥን፡፡ ስለዙይ ማእለያ ዘይብሉ ኩለ መዳያዊ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ንሕድሪ ጅግና ተጋዳላይ ሜጀር ጀነራል ገ/መድህን ፍቓዱ (ወዲ ነጮ) ሓዊስካ፤ ሕነ ኩሎም ስውኣትና ንምፍዳይን መስዋእትነቶም ህዝባዊ ቃልስና ብዓወት ብምዝዛም ንምድባስ፤ ሕድ ሕድ ወዲ ትግራይ ብጊዜ የለን መንፈስ፣ ከም ዝረባረብ መንግስቲ ትግራይ ኣይጠራጠርን፡፡

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንኩሎም ስውኣትና!ሕድሪ ስውኣትና ኣስጢምና ሒዝና ፀላእትና ክንሕምሽሽ ኢና!

ሃለዋትናን ደሕንነትናን ብቕልፅምና!ትግራይ ትስዕር!መንግስቲ ትግራይ