Home ዜና ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ንግዳያት ሕማም ፌስቱላ ሆስፒታል ሃምሊን ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ...

ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ንግዳያት ሕማም ፌስቱላ ሆስፒታል ሃምሊን ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

1270

ብሓይልታታ ጽንተት ጾታዊ  ዓመፅ በጺሑወን ንሕማም ፌስቱላ ተቓሊዐን ኣብ ሆስፒታል ሃምሊን ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽባ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘድሃበ ኣስተምህሮ ተዋሂቡወን።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሓላፊት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣበባ ሃይለስላሴ ብሰንኪ ፆታዊ ዓመፅን ሳኣን ግቡእ ግልጋሎት ሕክምናን ቁፅሪ ንሕማም ፌስቱላ ዝተቓላዓ ደቂ ኣንስትዮ ይውስኽ ከምዘሎ ብምሕባር ሳኣን ግንዘበ ኣብ ገዝአን ተዓፅየን በቲ ሕማም ዝሳቐያ ግንዘበን ግልጋሎት ሕክምናን ክረኽባ ኩሉ ሓለፍነቱ ክዋፃእ ፀዊዐን።

ሕማም ፌስቱላ ተሓኪምካ ዝድሕን ሕማም እምበር ዘሕፍር ሕማም ከምዘይኮነ ዝሓበሩ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ሃምሊን ዶ/ር መልኣኩ ኣብራሃ እቲ ሆስፒታል ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ብሕማም ፌስቱላ ዝተጠቕዓ ወገናት ግቡእ ግልጋሎት ሕክምና ሂቡ ድሒነን ናብ ቤተሰበን ክፅምበራ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፅ ሐዝውን እዘን ብሰንኪ ሕማም ፌስቱላ ዝሳቐያ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ግልጋሎት ሕክምና ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ብስነ-ልቦናን ቁጠባን ክሓውያ ይስራሕ ምህላው ገሊፆም።

እቲ ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ዝተሳለጠ መድረኽ ብምትሕብባር ሆስፒታል ሓምሊን፣ ማእኸል እኖታት ንእኖታት፣ ድምጺ ወያነ ትግራይን ሕምባሽ መልቲ ሚዲያን ዝተዳለወ ምዃኑ ድማ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ብብርሃነ መስፍን