Home ዜና ብሰንኪ ሕማም ሽሮኽ ሰብ ይመውት ኣሎ- ቢሮ ጥዕና ትግራይ

ብሰንኪ ሕማም ሽሮኽ ሰብ ይመውት ኣሎ- ቢሮ ጥዕና ትግራይ

53
0

ሕማም ሽሮኽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ንሞት ወገናት ምኽንያት ኮይኑ ስለዘሎ ሕብረተሰብ ፅሬት ውልቀን ከባብን ከዘውትር ከምዝግባእ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

19 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተርኣየ ሕማም ሽሮኽ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሞት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣይተ መብራህቶም ሃፍተ ኣብሪሆም።

እዚ ሓበሬታ ክሳብ ዝረኸብናሉ እቲ ሕማም ኣብ 23 ሰባት ከምዝተርኣየን 3 ሰባት ድማ ግዳይ ሞት ከምዝገበረ ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም ኣይተ መብራህቶም።

መንቀሊ እቲ ሕማም ምጉዳል ፅሬት ውልቀን ከባብን እዩ ዝበሉ ኣይተ መብራህሮም ሕብረተስብ ድማ ሓሚሙ እውን እኹል ግልጋሎት ሕክምና ሰለዘየለ ዓርሱ ክከላኸል ከምዝግባእን ከም ቢሮ እውን ይስራሕ ምህላውን ይገልፁ።

በቲ ሕማም ዝተትሓዘ ወገን ድማ ኣብ ቀረባኡ ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ክኸይድን ኢሉ እውን ብህፁፅ ናብ ሰብ ሞያ ጥዕና ክኸይድን ከምዝግባእን እቶም ሓላፊ ኣረዲኦም።

ሕማም ሸሮኽ ኣብ 2008 ዓ.ም ኢሉ እውን ኣብ 2009 ዓ.ም ንብርክት ዝበሉ ወገናት ግዳይ ሞት ገይሩ ምንባሩ ኣይተ መብራህቶም ኣዘኻኺሮም።

ብእያሱ በርሀ

Previous articleቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርታዊ ስልጠናን  ቅድሚ ኲናት ዝነብሩ ሰልጠንቱ ዝጀመርዎ ስልጠና ንክዛዝሙ ዘኽእሎም ከይዲ ስልጠና ጀሚሩ።
Next articleዘተ ኣብ ምስፍሕፋሕ ፕላን ከተማታት