Home ዜና ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ቀረብ ምግብን ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ዝወደቀት ንእስቲ

ብሰንኪ ሕፅረት መድሓኒትን ቀረብ ምግብን ኣብ ከቢድ ስቃይን መከራን ዝወደቀት ንእስቲ

1706

ኤደን የማነ ጓል 19 ዓመት ጎያ ዘይፀገበት፣ ተፃዊታ ዘይደኸመት ንእስቲ እያ፡፡ እዛ ንእስቲ ናይ 10 ክፍሊ ትምህርታ እናተኸታተለት ንፅባሕ ብብሩህ ተስፋ እናመዓደወት ትምህርታ ኣብ ዓዲ ጎሹ ትቅፅል ነይራ፡፡

ድሕሪ እዚ እዩ እምበኣር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን መላፍንቶምን ናብቲ ስቡሕ መሬት ትግራይ እግሮም ምስ ረገፀ ንሳ እውን ከም ሰባ ፆታዊ ጥቅዓት ከም መሳርሒ ጀኖሳይድ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ክፍፅሙ ዝተዓዘበት፡፡

ኤደን ድሕሪ እዚ እዩ ካብቲ ሕፍኒ ሂብካ እንተላም ትሓፍሰሉን ተወሊዳ ዝባፅሐትሉን መሬት  ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገዲፋ ናብ ዞባ ምብራቕ ከተማ ዓዲ-ግራይ ዝተመዛበለት፡፡

ካብ’ታ ብፍቅሪ ምስ ስድርኣ ትነብረላ ቤታ ብዙሕ ግፍዕን መከራን ድሕሪ ምርኣይ ልክዕ ከም ኩሉ ትግራዋይ ብሓለንጊ ሰብ ስራሕ ጥሜት ድሕሪ ምስቃይ ሕማም ሽኮር ከም ዘለዋ ድማ ብወዝቢ ፈለጠት፡፡

ሕዚ ኤደን ብስእኖ ምግብን መድሓኒትን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓድ-ግራት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ኮይና መዓልታት ብዘይ መድሓኒትን ምግብን ብቃንዛ ተሕልፎ ኣላ፡፡

ንእስቲ ኤደን ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ንህፃናትን ብሕዱር ሕማም ንዝሳቀዩ ወገናት ክበፅሐሎም ከምዝግባእን ድማ ምሕፅንታኣ ትገልፅ፡፡

ብሰመረ ገ/መስቀል